ዮሃንስ 12:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ኣኺሉ፣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ+ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።+ ዮሃንስ 16:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ድሕሪኡ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ፡ ብዛዕባ ፍርዲ።+ እብራውያን 2:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 እምበኣር፡ እቶም “ደቂ፡” ደምን ስጋን ካብ ኰኑ፡ ንሱ እውን ብተመሳሳሊ ኸማታቶም ኰይኑ እዩ።+ ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡+ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ፡+ ራእይ 12:7-9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን*+ መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም፣ 8 ግናኸ፡ ኣይሰዓሩን፣* ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ቦታ ኣይተረኽበሎምን። 9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ+ ድያብሎስን+ ሰይጣንን+ ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡+ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን+ ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡+ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።
14 እምበኣር፡ እቶም “ደቂ፡” ደምን ስጋን ካብ ኰኑ፡ ንሱ እውን ብተመሳሳሊ ኸማታቶም ኰይኑ እዩ።+ ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡+ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ፡+
7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን*+ መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም፣ 8 ግናኸ፡ ኣይሰዓሩን፣* ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ቦታ ኣይተረኽበሎምን። 9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ+ ድያብሎስን+ ሰይጣንን+ ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡+ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን+ ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡+ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።