መዝሙር 34:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ግበር፣+ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን።+ ሮሜ 6:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ብሰንኪ ድኻም ስጋኹም ብኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ከምቲ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ጥሕሰት ሕጊ ዚመርሕ ርኽሰትን ጥሕሰት ሕግን ከም ባሮት ጌርኩም ዘቕረብኩም፡ ሕጂ ኸኣ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ቅድስና ዚመርሕ ጽድቂ ኸም ባሮት ጌርኩም ኣቕርቡ።+ ሮሜ 12:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።+ ሮሜ 14:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 እምበኣርሲ፡ ደጊም ሰላም ዜስፍንን+ ንሓድሕድና ዚሃንጽን+ ነገር ንስዓብ። 1 ተሰሎንቄ 4:3, 4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን+ ካብ ምንዝርና* ኽትርሕቁን እዩ።+ 4 ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ* ብቕድስናን+ ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣+ እብራውያን 10:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 በዚ “ፍቓድ” እዚ፡+ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣለና።+
19 ብሰንኪ ድኻም ስጋኹም ብኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ከምቲ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ጥሕሰት ሕጊ ዚመርሕ ርኽሰትን ጥሕሰት ሕግን ከም ባሮት ጌርኩም ዘቕረብኩም፡ ሕጂ ኸኣ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ቅድስና ዚመርሕ ጽድቂ ኸም ባሮት ጌርኩም ኣቕርቡ።+