ዘዳግም
16 “የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ* ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡+ ወርሒ ኣቢብ ሓሉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ድማ ፋስጋ ኣብዕል።+ 2 ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ጤለ በጊዕካን ካብ ከብትኻን+ መስዋእቲ ፋስጋ ሰውእ።+ 3 ምስኡ ብኹዕ ዘበለ ኣይትብላዕ፣+ ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡+ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ፡ እንጌራ ጸበባ፡ ብላዕ። ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ከምኡ ግበር።+ 4 ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵላ ሃገርካ መባዅዕቲ ኣይረኸብ፡+ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንምሸታ እትስውኦ ስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።+ 5 መስዋእቲ ፋስጋ ኣብ ዝዀነት ካብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታት ክትስውእ ኣይፍቀደልካን እዩ። 6 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ደኣ፡ ኣብቲ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካሉ ምዱብ ግዜ፡ ምሸት ጸሓይ ምስ ዓረበት፡+ መስዋእቲ ፋስጋ ሰውእ። 7 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ+ ኣብሲልካ ብልዓዮ፣+ ንግሆ ኸኣ ናብ ድንኳናትካ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ። 8 ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍሉይ ኣኼባ ይኹን። ዕዮ ኣይትዕየ።+
9 “ሸውዓተ ሰሙን ቍጸር። ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ እዋን፡ ሸውዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር።+ 10 ሽዑ፡ ከም መጠን እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝባረኸካ ጌርካ፡+ ካብ ኢድካ ብእትህቦ መስዋእቲ ፍታው፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።+ 11 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ፡+ ንስኻ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ምስ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ምስ ዘለዉ ጓናን ዘኽታምን* መበለትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ተሓጐስ። 12 ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፣+ ነዚ ስርዓታት እዚ ድማ ሓልዎን ግበሮን።
13 “ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ+ ኣብዕል። 14 ንስኻ ኸኣ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ምስ ዘለዉ ሌዋውን ጓናን ዘኽታምን መበለትን ብበዓልካ ተሓጐስ።+ 15 የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ እቶትካን ኵሉ ተግባርካን ኪባርኸልካ፡+ ንስኻ ኸኣ ኣብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ኽትሕጐስ ጥራይ ኢኻ+ እሞ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ኣብዕል።+
16 “ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ፦ ኣብ በዓል ቅጫን+ በዓል ሰሙናትን+ በዓል ዳስን፣+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 17 ነፍሲ ወከፍ ዜምጽኦ መባእ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበካ በረኸት ይኹን።+
18 “ኣብ ኵለን እተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታት* ፈራዶን+ ኣሕሉቕን ሽም፣ ንሳቶም ከኣ ንህዝቢ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። 19 ፍትሒ ኣይተቕንን፡+ ኣይተዳሉ፡+ ወይ ጉቦ ኣይትቀበል፣ ጉቦስ ኣዒንቲ ጥበበኛታት የዕውር፡+ ዘረባ ጻድቃን ድማ የቕንን እዩ። 20 ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያን፡ ፍትሒ፡ እወ፡ ፍትሒ ስዓብ።+
21 “ጥቓ እቲ ንዓኻ እትሰርሖ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ዝዀነ ኦም ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኪኸውን ኣይትትከል።
22 “የሆዋ ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኣምልኾ ኸኣ ንዓኻ ኣይተቑም።+