ኢሳይያስ
58 “ብምሉእ ጐረሮኻ ጨድር፣ ርእስኻ ኣይትግታእ!
ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል።
ንህዝበይ ዕልወቶም፡
ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።+
ቅኑዕ ፍርድታት ደልዮም ይሓትቱኒ፣
ናብ ኣምላኽ ምቕራብ እውን ደስ ይብሎም፦+
ርእስና* ኸነሕስም ከለናኸ ስለምንታይ ዘየስተብሃልካልና፧’+
4 ጾምኩም ብቘየቛን ብባእስን ይውዳእ፣
ብሕሱም ጕስጢ ድማ ትወቕዑ።
ከምዚ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም ጌርኩም እናጾምኩምሲ፡ ድምጽኹም ኣብ ሰማይ ኣይስማዕን እዩ።
5 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾም ከምዚ ድዩ፧
ነዚ ዲኻ ጾምን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዓልትን እትብሎ ዘለኻ፧
6 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾምሲ እዚ እዩ፦
መቓውሕ እከይ ምልጋስ፡
ማእሰርቲ ኣርዑት ምፍታሕ፡+
ንጭቍናት ሓራ ምውጻእ፡+
ንዅሉ ኣርዑት ምስባር፡
7 እንጌራኻ ንጥሙይ ምምቃል፡+
ንድኻታትን ቤት ንዘይብሎምን ናብ ቤትካ ምእታው፡
ዕሩቕ ምስ እትርኢ ምኽዳን፡+
ንስጋኻ እውን ዝባንካ ዘይምምላስ እዩ።
8 ሽዑ፡ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኺበርህ፡+
ምሕዋይካ እውን ቀልጢፉ ኺበቍል እዩ።
ጽድቅኻ ቐቅድሜኻ ኪኸይድ፡
ክብሪ የሆዋ ድማ ደጀንካ ኪኸውን እዩ።+
9 ሽዑ፡ ክትጽውዕ፡ የሆዋ ኸኣ ኪምልስ እዩ፣
ከተእዊ፡ ንሱ ኸኣ፡ ‘እነኹ!’ ኪብል እዩ።
ንኣርዑት ካብ መንጎኻ እንተ ኣርሒቕካ፡
ብኣጻብዕካ ዊጥ ምባልን ክፉእ ምዝራብን እንተ ሓዲግካ፡+
10 ንጥሙይ እቲ ንስኻ* እትምነዮ እንተ ሂብካዮ፡+
ንውጹዕ ድማ እንተ ኣጽጊብካዮ፡*
ሽዑ፡ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪበርህ፡
ድነኻ እውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።+