ዘጸኣት
27 “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ መሰውኢ ግበር፣+ ሓሙሽተ እመት* ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑን ይኹን። እቲ መሰውኢ ትርብዒት፡ ቍመቱ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።+ 2 ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ግበረሉ፣+ እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ ኣርባዕተ መኣዝን ብሓደ እተገብረ ይኹን፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ብነሓሲ ለብጦ።+ 3 ሓምዅሽቱ* ንምውጋድ ዚኸውን ድስትታት፡ ምስኡ ድማ መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ሻኳታትን መትሓዚታት ሓውን ግበር፣ ኵሉ ኣቕሑኡ ኻብ ነሓሲ ግበሮ።+ 4 ካብ ነሓሲ ኸኣ መርበብ፡ ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ርበ ግበረሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ መርበብ ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኻብ ነሓሲ ኣርባዕተ ቐለቤት ግበር። 5 ኣብ ትሕቲ ጥርዚ እቲ መሰውኢ ኣንብሮ፣ እቲ መርበብ ከኣ ብኸፊል ናብ ውሽጢ እቲ መሰውኢ ናብ ታሕቲ ይዘርጋሕ። 6 ነቲ መሰውኢ ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ግበረሉ፣ ንዕኡ ኸኣ ብነሓሲ ለብጦ። 7 እቲ መሰውኢ ኺጽወር ከሎ፡ እቲ ዘንግታት ብኽልቲኡ ሸነኹ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዘንግታት ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ።+ 8 ነቲ መሰውኢ፡ ጓንጓ ሳጹን ጌርካ ኻብ ኣልዋሕ ግበሮ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ከረን ዘርኣየካ ጌርካ ግበሮ።+
9 “ነቲ ማሕደር ከኣ ኣጸድ+ ግበረሉ። ብሸነኽ ደቡብ፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ እቲ ኣጸድ ብሓደ ሸነኹ፡ ተፋሒሱ ብእተገብረ ቕጭን በፍታ፡ 100 እመት ዝንውሓቱ መኸወሊታት* ይሃልዎ።+ 10 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ድማ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ ይሃልዎ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። 11 ብሸነኽ ሰሜን ዘሎ መኸወሊታት* 100 እመት ዝንውሓቱ ይኹን፣ 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ኸኣ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ካብ ብሩር ድማ ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዓንቃሪቦታትን መላግቦታትን* ይሃልዎ። 12 ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ግፍሒ እቲ ኣጸድ ድማ 50 እመት ዝንውሓቱ መኸወሊታት፡* ምስ ዓሰርተ ዓንድን ዓሰርተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን። 13 ግፍሒ እቲ በቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኣጸድ ከኣ 50 እመት ይኹን። 14 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን።+ 15 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን።
16 “ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም እተገብረ 20 እመት ዝንውሓቱ መጋረዲ፡*+ ምስ ኣርባዕተ ዓንድን ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይሃልዎ።+ 17 ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ዘሎ ኣዕኑድ፡ መላግቦታት ብሩርን ዓንቃሪቦታት ብሩርን ይሃልዎ፣ ዚስኵዓሉ መቘሚኡ ግና ካብ ነሓሲ ይኹን።+ 18 እቲ ኣጸድ፡ 100 እመት ዝንውሓቱ፡+ 50 እመት ዝግፍሑ፡ 5 እመት ዝቝመቱ፡ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ እተሰርሐ ይኹን፣ ካብ ነሓሲ ኸኣ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይሃልዎ። 19 ኵሉ እቲ ኣብ ማሕደር ዚዕየየሉ ኣቕሑን መተዓየይን ሽኻላቱን ኵሉ እቲ ሽኻላት ኣጸድን ካብ ነሓሲ ይኹን።+
20 “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።+ 21 ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ጥቓ እቲ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡+ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መብራህትታት ምእንቲ ኺበርህ፡ ኣሮንን ደቁን የዳልዉ።+ እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤላውያን፡ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+