ኢሳይያስ
22 ብዛዕባ ስንጭሮ ራእይ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+
ኵሉ ሰብኪ ናብ ናሕስታት ዚድይብሲ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧
2 ኣቲ እትናወጺ ኸተማ፡ ኣቲ ፍስህቲ ኸተማ፡
ህውከት መሊኡኪ ነይሩ።
ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፣
ኣብ ውግእ እውን ኣይሞቱን።+
3 ኵሎም መለኽትኺ ብሓባር ሃዲሞም።+
ብዘይ ቀስቲ ተኣሲሮም ተወሲዶም።
እተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም፡+
ኣርሒቖም እኳ እንተ ሃደሙ፡ ተኣሲሮም ተወሲዶም።
4 ስለዚ፡ ከምዚ ኢለ፦ “ኣዒንትኹም ካባይ ምለሱ፡
ኣምሪረ ድማ ክበኪ እየ።+
መካበብያ ይፈርስ፡+
ናብ ከረን ከኣ ይእወ ኣሎ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ናብቲ ኣብ ቤት ዱር ዘሎ ቤት ኣጽዋር ክትጥምቲ ኢኺ፣+ 9 ነቲ ሓያሎ ፍሩሳት ከተማ ዳዊት ከኣ ክትርእዩ ኢኹም።+ ማያት ታሕተዋይ ሓጽቢ ድማ ክትእክቡ ኢኹም።+ 10 ንኣባይቲ የሩሳሌም ክትቈጽርዎ፡ ነቲ መካበብያ ምእንቲ ኸተጽንዑ ኸኣ ኣባይቲ ኸተፍርሱ ኢኹም። 11 ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ መካበብያ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢ ዚኸውን ጋብላ ኽትገብሩ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ናብቲ ዓብዪ ገባሪ ኣይክትጥምቱን፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝገበሮ እውን ኣይክትርእይዎን ኢኹም።
‘ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።’”+
14 ሽዑ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ኣእዛነይ ከምዚ ኢሉ ገለጸለይ፦ “‘ንስኻትኩም ክሳዕ እትሞቱስ እዚ ስሕተት እዚ ብዕርቂ ኣይኪኽደነልኩምን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”
15 እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ናብቲ ኣብታ ቤት* ሓላፍነት ዘለዎ ኣመሓዳሪ ቤት፡ ናብ ሸብና+ ኺድ እሞ፡ 16 ‘ኣብዚ እንታይ ኣሎካ፧ ኣብዚ መቓብር ንርእስኻ እትወቅርሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ፧’ በሎ። ንሱ ኣብ በሪኽ መቓብር ይወቅር ኣሎ፣ ኣብ ከውሒ ድማ ንርእሱ መዕረፊ* ይዅዕት ኣሎ። 17 ‘ኣታ ሰብ፡ እንሆ፡ የሆዋ ብሓይሊ ኺድርብየካ፡ ብጽኑዕ ኪሕዘካ እዩ። 18 ብርግጽ ከረው ኣቢሉ ኺጥቕልለካ፡ ከም ኵዕሶ እውን ናብ ሰፋሕ ምድሪ ኺድርብየካ እዩ። ኣብኡ ኽትመውት፡ እቲ ኽቡር ሰረገላታትካ ኸኣ ኣብኡ ኪኸውን፡ ንቤት ጐይታኻ እውን ውርደት ክትከውን ኢኻ። 19 ኣነ ድማ ካብ ቦታኻ ኽግልብጠካ፡ ካብ ስልጣንካ ኸኣ ክድርብየካ እየ።
20 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጊልያይ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያ ኽጽውዖ እየ፣ 21 በቲ ወለል ዚብል ክዳንካ ድማ ክኸድኖ፡ ቅናትካ ኸኣ ከዕጥቖ፡+ ስልጣንካ* እውን ኣብ ኢዱ ኽህቦ እየ። ንሱ ድማ ንነበርቲ የሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪዀኖም እዩ። 22 መፍትሕ ቤት ዳዊት+ ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኪኸፍት፡ ሓደ እኳ ኣይኪዓጹን እዩ፣ ንሱ ኺዓጹ፡ ሓደ እኳ ኣይኪኸፍትን እዩ። 23 ከም ሽንካር ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦታ ኽተኽሎ እየ፣ ንቤት ኣቦኡ እውን ከም ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ። 24 ኵሉ ኽብሪ* ቤት ኣቦኡ፡ ዘርእን ውሉድን፡* ኵሉ ንኣሽቱ ኣቕሑ፡ ከም ጭሔሎ ዝበለ ኣቕሑ፡ ኵሉ ኣጋንእ ኣብኡ ኺስቀል እዩ።
25 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘እቲ ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦታ እተተኽለ ሽንካር ኪለግስ፡+ ኪቝረጽን ኪወድቕን እዩ፣ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ እቲ ንሱ ጾይርዎ ዝነበረ ድማ ናብ ጥፍኣት ኪወድቕ እዩ።’”