ራእይ
19 ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሓት ህዝቢ ዝኣመሰለ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “ንያህ ወድስዎ!*+ ድሕነትን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፣ 2 ከመይሲ፡ ፍርዱ ሓቅን ቅኑዕን እዩ፣+ ኣብታ ብምንዝርናኣ* ንምድሪ ዘበላሸወት ዓባይ ኣመንዝራ ድማ ፍርዱ ፈጺሙ እዩ፣ ንደም ባሮቱ እውን ካብ ኢዳ ፈድዩ እዩ።”+ 3 ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ “ንያህ ወድስዎ!*+ ትካ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ እዩ” በሉ።+
4 እቶም 24 ሽማግለታትን+ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን+ ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽ፡ “ኣሜን! ንያህ ወድስዎ!”*+ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
5 ካብቲ ዝፋን እውን፡ “ኣቱም እትፈርህዎ ንኣሽቱን ዓበይትን ኵልኹም ባሮቱ፡+ ንኣምላኽና ወድስዎ”+ ዚብል ድምጺ ወጸ።
6 ከም ድምጺ ብዙሓት ህዝብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ድማ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡+ ንያህ ወድስዎ!*+ 7 መርዓ እቲ ገንሸል* በጺሑ፡ ሰበይቱ እውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና፡ ንዕኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ። 8 እወ፡ ብሩህን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ኽትክደን ተዋሂብዋ ኣሎ፣ እቲ ቕጭን በፍታ ኸኣ ንጽድቂ እቶም ቅዱሳት የመልክት።”+
9 ንሱ ድማ፡ “ጽሓፍ፦ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ሕጉሳት እዮም”+ በለኒ። “እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ” እውን በለኒ። 10 ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ግና፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ!+ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ብዛዕባ የሱስ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎም ኣሕዋትካን ባርያ እየ።+ ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ።+ ከመይሲ፡ ትንቢት ዚንገር፡ ብዛዕባ የሱስ ንምምስካር እዩ”+ በለኒ።
11 ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ* ፈረስ።+ እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን+ ናይ ሓቅን*+ ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን።+ 12 ኣዒንቱ ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣+ ኣብ ርእሱ እውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ። ብዘይካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ፣ 13 ብደም እተዓለሰ* ኽዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ስሙ እውን ቃል+ ኣምላኽ ይብሃል። 14 ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ ተወጢሖም ሰዓብዎ። 15 ካብ ኣፉ ድማ ንኣህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ+ ይወጽእ፣ ንሱ ኸኣ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።+ ነቲ ናይቲ ነድሪ ቝጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጽመቝ ወይኒ ድማ ይረግጾ።+ 16 ኣብ ክዳኑን ኣብ ሰለፉን ከኣ፡ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።+
17 ሓደ መልኣኽ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ኸኣ ረኣኹ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ ኣብ ማእከል ሰማይ ንዚነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ከምዚ ኢሉ ጨደረለን፦ “ንዕነ፡ ናብቲ ዓብዪ ድራር ኣምላኽ ተኣከባ፣+ 18 ስጋ ነገስታትን ስጋ ኣሕሉቕ ሽሕን ስጋ ሓያላትን+ ስጋ ኣፍራስን ስጋ እቶም እተወጥሕዎምን፡+ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ንኣሽቱን ዓበይትን ብልዓ።”
19 እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ረኣኹ።+ 20 እቲ ኣራዊት ድማ ተታሕዘ፣ እቲ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት እተቐበሉን+ ንምስሉ ዝሰገዱን+ ዘስሓተሉ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ናይ ሓሶት ነብዪ+ እውን ምስኡ ተታሕዘ። ብህይወቶም ከለዉ፡ ክልቲኦም ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ።+ 21 እቶም ዝተረፉ ግና በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ዚወጽእ ነዊሕ ሰይፊ ተቐትሉ።+ ኵለን ኣዕዋፍ ከኣ ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።+