ኣሞጽ
1 ቃላት ኣሞጽ* እቲ ኻብቶም ሰብ ኣባጊዕ ተቆዓ+ ዝነበረ፡ ብዘመን ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ክልተ ዓመት ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ+ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ራእይ። 2 ከምዚ ድማ በለ፦
“የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪጓዝም፡
ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ።
መጓሰዪታት ጓሶት ኪሓዝን፡
ርእሲ ቀርሜሎስ ከኣ ኪነቅጽ እዩ።”+
3 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
5 ንተገዳማት ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፣+
ንነበርቲ ቢቃት-ኣዌንን
ነቲ ኻብ ቤት-ኤደን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣
ህዝቢ ሶርያ ድማ ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’
6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
7 ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+
ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።
9 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም፡
ኪዳን ኣሕዋት እውን ኣይዘከሩን እሞ፡+
ስለ ሰለስተ በደል ጢሮስ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
10 ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣
ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+
11 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ንኣሕዋቱ ብሰይፊ ሰጒጕዎም፡+
ከይምሕሮም እውን ኣብዩ እዩ፡
ብቝጥዓኡ ብዘይምቍራጽ ቀዳዲድዎም፡
ብቐጻሊ እውን ነዲሩ እዩ እሞ፡+
ስለ ሰለስተ በደል ኤዶም፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
13 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘“ሃገሮም ኬግፍሑስ ንጥኑሳት ጊልዓድ ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡+
ስለ ሰለስተ በደል ዓሞናውያን፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ፣
14 ስለዚ፡ ኣብ መካበብያ ራባ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣+
ብመዓልቲ ውግእ ከኣ ምስ ጭድርታ ውግእ፡
ብመዓልቲ ህቦብላ ንፋስ ድማ ምስ ህቦብላ፡
ንእተዓርደ ግምብታታ ኺበልዖ እዩ።
15 ንጉሶም ከኣ ምስ መሳፍንቱ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’