ዘሌዋውያን
17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ እዚ እዩ፦
3 “‘“ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ብዕራይ ወይ ገንሸል* ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሓሪዱ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተ ሓሪዱ፡ 4 ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኪኸውን ኬቕርቦ ኸኣ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጺእዎ፡ ነቲ ሰብ እቲ ዕዳ ደም ይቝጸረሉ። ደም ኣፍሲሱ እዩ፣ እቲ ሰብ እቲ ኻብ መንጎ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ። 5 እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ መስዋእቶም ናብ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን ምእንቲ ኼምጽእዎ እዩ። ነዚ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ይሰውእዎ።+ 6 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይንጸጎ፣ ነቲ ስብሒ ድማ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን የሕርሮ።+ 7 ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም መስዋእቶም ነቶም ምሳታቶም ዚምንዝሩ+ ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንቲ* ኣይሰውኡ።+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም።”’
8 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ እንተ ኣቕሪቡ፡ 9 ንየሆዋ ኺስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጺእዎ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+
10 “‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ደም ዘበለ እንተ በሊዑ፡+ ነቲ ደም ዝበልዐ ሰብ* ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ እየ፣ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ። 11 ከመይሲ፡ ህይወት* እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፣+ እቲ በታ ኣብኡ ዘላ ህይወት* ገይሩ ዜተዓርቕ፡ ደም እዩ እሞ፡+ ኣነ ኣብ መሰውኢ ንዓኻትኩም* ኬተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም።+ 12 ስለዚ እየ ንእስራኤላውያን፡ “ካባኻትኩም ሓደ* እኳ ደም ኣይብላዕ፣ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና+ እውን ደም ኣይብላዕ”+ ዝበልክዎም።
13 “‘ሓደ ኻብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና ዚብላዕ እንስሳ ዘገዳም ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሒዙ፡ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ+ ብሓመድ ይኽደኖ። 14 ከመይሲ፡ ህይወት* ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ህይወት* ኵሉ ስጋ ኣብ ደሙ እዩ። ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን፡ “ህይወት* ኵሉ ስጋ፡ ደሙ እዩ እሞ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ። ዚበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ” በልክዎም።+ 15 ዝዀነ ሰብ፡* ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝበትበቶ እንተ በሊዑ፡+ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን፣+ ድሕሪኡ፡ ይነጽህ። 16 ክዳውንቱ እንተ ዘይሓጺቡ፡ ሰብነቱ* ድማ እንተ ዘይተሓጺቡ ግና፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።’”+