መዝሙር
97 የሆዋ ነጊሱ!+
ምድሪ ትተሓጐስ።+
እተን ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበለን።+
4 በርቁ ንምድሪ የብርሃ፣
ምድሪ ርእያቶ ራዕራዕ ትብል።+
5 ኣኽራን ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡
ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኸም ስምዒ ይመክኩ።+
6 ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ፣
ኵሎም ህዝብታት ድማ ክብሩ ይርእዩ።+
7 ኵሎም እቶም ንጽሩብ ምስሊ ዘበለ ዜገልግሉ፡+
እቶም በቶም ከንቱ ኣማልኽቶም ዚምክሑ፡ ይሕፈሩ።
9 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣
ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ልዕል ዝበልካ ኢኻ።+
10 ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ።+
12 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፣
ነቲ ቕዱስ ስሙ* እውን ኣመስግንዎ።