ንኣላዪ። ናይ ዳዊት።
11 ኣብ የሆዋ ተማዕቊበ ኣለኹ።+
ከመይ ጌርኩም ደኣ ኸምዚ እትብሉኒ፦
“ከም ዑፍ ናብ ከረን ህደም!
2 እኩያት ከመይ ገይሮም ቀስቶም ከም ዚግትሩ ርአ፣
ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ካብ ጸልማት ኪውርውሩሎምሲ፡
ንፍላጻኦም ኣብ ኣውታር ቀስቶም ይገብርዎ።
3 መሰረታት ምስ ፈረሰ፡
ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧”
4 የሆዋ ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+
ዝፋን የሆዋ ኣብ ሰማያት እዩ።+
ኣዒንቱ ይጥምታ፡ ትኵራት ኣዒንቱ ንደቂ ሰብ ይምርምራኦም።+
5 የሆዋ ንጻድቕ ኰነ ንእኩይ ይምርምሮ፣+
ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ።+
6 ኣብ ልዕሊ እኩይ፡ መጻወድያታት የዝንም፣
ግደ ጽዋኦም ሓውን ዲንን+ ዚምሽሉቝ ንፋስን ኪኸውን እዩ።
7 ከመይሲ፡ የሆዋ ጻድቕ እዩ፣+ ጽድቂ ድማ ይፈቱ እዩ።+
ቅኑዕ ከኣ ገጹ ኺርኢ እዩ።+