ህዝቅኤል
35 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን ሰዒር+ ኣብል እሞ ኣንጻሩ ተነበ።+ 3 ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እንሆ፡ ኣንጻርካ እየ፣ ኢደይ ከኣ ኣብ ልዕሌኻ ኽዝርግሕ፡ ባድም ድማ ክገብረካ እየ።+ 4 ንኸተማታትካ ዑናታት ክገብረን፡ ንስኻ እውን ባድም ክትከውን ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ። 5 ከመይሲ፡ ዘየቋርጽ ጽልኢ ነይሩካ እዩ፣+ ንእስራኤላውያን ድማ ብግዜ መዓቶም፡ ብግዜ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቶም ንሰይፊ ኣሕሊፍካ ሂብካዮም ኢኻ።”’+
6 “‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንምፍሳስ ደም ከዳልወካ እየ፣ ምፍሳስ ደም ከኣ ኪስዕበካ እዩ።+ ደም ስለ ዝጸላእካ፡ ምፍሳስ ደም ኪስዕበካ እዩ።+ 7 ንኣኽራን ሰዒር ባድም ክገብሮ፡+ ብእኡ ዚሓልፍን ዚምለስን ዘበለ ድማ ካብኡ ኽምንቍስ እየ። 8 ንኣኽራኑ ኸኣ ብቕቱላት ክመልኦ እየ፣ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ኣብ ኵርባታትካን ኣብ ስንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ወሓይዝካን ኪወድቁ እዮም። 9 ንሓዋሩ ኸባድመካ እየ፣ ከተማታትካ ድማ ነበርቲ ኣይኪህልወንን እዩ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’
10 “የሆዋ ኣብኡ ኸሎስ፡ ‘እዞም ክልተ ኣህዛብ እዚኦምን እዘን ክልተ ሃገራት እዚአንን ናተይ ኪዀኑ እዮም፡ ንኽልቲኦም ከኣ ክንርስተዮም ኢና’+ ስለ ዝበልካ፡ 11 ‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣነ ኸምቲ ጸሊእካዮም ብቝጥዓን ብቕንእን ዝገበርካዮ ነገር፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ፣+ ምስ ፈረድኩኻ ድማ፡ ኣባታቶም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። 12 ሽዑ፡ ኵሉ እቲ፡ “ባዲሞም፡ ክንውሕጦም* ከኣ ተዋሂቦምና እዮም” ኢልካ ብዛዕባ ኣኽራን እስራኤል እተዛረብካዮ ንዕቀት፡ ኣነ የሆዋ ኸም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። 13 ብትዕቢት እውን ኣንጻረይ ተዛሪብካ፡ ኣንጻረይ እውን ቃላትካ ኣብዚሕካ ኢኻ።+ ኵሉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።’
14 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ምስ ኣባደምኩኻ፡ ብዘላ ምድሪ ኽትሕጐስ እያ። 15 ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ምስ ባደመት እተሓጐስካ፡ ኣነ ኸምኡ ኽገብረካ እየ።+ ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እወ፡ ኵልኻ ኤዶም፡ ክትባድም ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”