ሚክያስ
ብሻቦጥ ንፈራዲ እስራኤል ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።+
ኣቲ ኣብ መንጎ ኣሽሓት* ይሁዳ ንምዃን ዝነኣስኪ፡
ካባኺ እቲ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝዀነለይ፡+
እቲ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ፡ ካብ መዓልትታት ቀደም ዝዀነ ኺወጽእ እዩ።
3 ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ እታ ወላዲት እትወልደሉ ግዜ፡
ንሱ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።
እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ ኸኣ ናብ ህዝቢ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።
እቲ ኣሶራዊ ንምድርና ምስ ወረረን ኣብ ሃገርና ምስ ረገጸን፡
ንሱ ኻብኡ ኼናግፈና እዩ።+
7 እቶም ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት፡
ከምቲ ብሰብ ተስፋ ዘይገብር፡
ንደቂ ሰብ ድማ ዘይጽበ፡
ኣውሊ ኻብ የሆዋ፡
ብርቱዕ ካፋ ኣብ ኣትክልቲ ኪዀኑ እዮም።
8 እቶም ተረፍ ያእቆብ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡
ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት፡
ከምቲ ዚሓልፍን ዚጐብጥን ዚሰላልዕን
ኣብ መንጎ እንስሳታት ዱር ዘሎ ኣንበሳ፡
ኣብ መንጎ መጓሰ ኣባጊዕ ዘሎ ሽደን ኣንበሳ ኪዀኑ እዮም፣
ዜናግፍ ከኣ የልቦን።
9 ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ኽትልዓል እያ፣
ኵሎም ጸላእትኻ እውን ኪጠፍኡ እዮም።”
10 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡
“ኣፍራስካ ኻብ ማእከልካ ኸጽንት፡ ሰረገላታትካ እውን ከጥፍእ እየ።
11 ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፡
ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ።
13 ቅሩጽ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍእ እየ፣
ንግብሪ ኣእዳውካ ድማ ደጊም ኣይክትሰግድን ኢኻ።+
15 ኣብ ዘይተኣዘዙ ኣህዛብ፡
ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።”