ዘፍጥረት 49:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ሺሎ* ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ካብ ይሁዳ ዘንጊ፡ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኸኣ በትሪ ኣዛዚ ኣይኪፍለን እዩ፣+ ተኣዛዝነት ህዝብታት ናቱ እዩ።+ 1 ዜና መዋእል 5:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ይሁዳ+ ኻብ ኣሕዋቱ እኳ እንተ በለጸ፡ መራሒ እውን ካብኡ እኳ እንተ መጸ፡+ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ ኰነ። ኢሳይያስ 9:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ውሉድሲ ተወሊዱልና፣+ወዲ ተዋሂቡና፣ግዝኣት* ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ።+ ስሙ ድማ ግሩም መኻሪ፡+ ብርቱዕ ኣምላኽ፡+ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ። ማቴዎስ 2:4-6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ ድማ፡ ክርስቶስ* ኣበይ ከም ዚውለድ ሓተቶም። 5 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብነብዪ ኸምዚ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፦ 6 ‘ኣቲ ቤት-ልሄም ናይ ምድሪ ይሁዳ፡ ካባኺ ንህዝበይ እስራኤል ዚጓሲ ሹም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሹማምንቲ ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ’” በልዎ።+ ሉቃስ 1:32, 33 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 32 ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡+ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣+ የሆዋ* ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣+ 33 ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” በላ።+ ሉቃስ 2:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ሎምስ መድሓኒ፡+ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡+ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ተወሊዱልኩም ኣሎ። ዮሃንስ 7:42 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 42 እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡+ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ቝሸት ቤት-ልሄም+ ከም ዚመጽእ ደይኰነን ዚብል፧” ይብሉ ነበሩ።
6 ውሉድሲ ተወሊዱልና፣+ወዲ ተዋሂቡና፣ግዝኣት* ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ።+ ስሙ ድማ ግሩም መኻሪ፡+ ብርቱዕ ኣምላኽ፡+ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ።
4 ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ ድማ፡ ክርስቶስ* ኣበይ ከም ዚውለድ ሓተቶም። 5 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብነብዪ ኸምዚ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፦ 6 ‘ኣቲ ቤት-ልሄም ናይ ምድሪ ይሁዳ፡ ካባኺ ንህዝበይ እስራኤል ዚጓሲ ሹም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሹማምንቲ ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ’” በልዎ።+
32 ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡+ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣+ የሆዋ* ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣+ 33 ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” በላ።+