60 “ብርሃንኪ መጺኡ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡+ ብርሂ።
ክብሪ የሆዋ ኣባኺ በሪሁ እዩ።+
2 እንሆ፡ ጸልማትሲ ንምድሪ፡
ብርቱዕ ድነ እውን ንኣህዛብ ኬጐልብቦም እዩ፣
ኣባኺ ግና የሆዋ ኼብርህ፡
ኣባኺ ኸኣ ክብሩ ኺርአ እዩ።
3 ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡+
ነገስታት+ ድማ ናብቲ ዚበርህ ግርማኺ+ ኪኸዱ እዮም።
4 ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ!
ኵሎም ተኣኪቦም፡ ኵሎም እውን ናባኺ ይመጹ ኣለዉ።
ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡+
ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ።+
5 ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኬቕንዕ፡
ጥሪት ኣህዛብ ድማ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡+
ሽዑ፡ ክትርእዪ፡ ከተንጸባርቒ ኢኺ፣+
ልብኺ እውን ትርግርግ ኪብልን ኪጅርብብን እዩ።
6 ብዙሓት ኣግማል፡
ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ዔፋን+ ንምድርኺ ኪኸድናኣ እየን።
ኵሎም እቶም ካብ ሳባ ዝዀኑ፡ ኪመጹ እዮም፣
ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ኪስከሙ እዮም።
ውዳሰ የሆዋ ኺነግሩ እዮም።+
7 ኵለን መጓሰ ቄዳር+ ናባኺ ኺእከባ እየን።
ደዓውል ነባዮት+ ኬገልግሉኺ እዮም።
ተቐባልነት ረኺቦም ናብ መሰውእየይ ኪመጹ እዮም፣+
ነታ ኽብርቲ ቤተይ ድማ ከጸብቓ እየ።+
8 እዘን ከም ደበናታትን ናብ ኣባይተን ከም ዚነፍራ ረገቢትን
ብሓባር ዚነፍራ መን እየን፧
9 ደሴታትሲ ብኣይ ተስፋ ኺገብራ እየን፣+
ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ፡
ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ኬምጽኣ+
መራኽብ ተርሲስ ይመርሓ ኣለዋ፣
ንሱ ኬኽብረኪ እዩ እሞ፡
ናብ ስም የሆዋ ኣምላኽክን ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኬምጽኣኦም እየን።+
10 ብቝጥዓይሲ ወቒዐኪ ነይረ፣
ብሞገሰይ ግና ክምሕረኪ እየ እሞ፡+
ጓኖት መካበብያኺ ኺሃንጹ፡
ነገስታቶም ድማ ኬገልግሉኺ እዮም።+
11 ኣፍ ደገታትኪ ወትሩ ኽፉት ኪኸውን እዩ፣+
ጥሪት ኣህዛብ ናባኺ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡
ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ኣይኪዕጾን እዩ፣
ነገስታቶም ከኣ መሪሖም ኪመጹ እዮም።+
12 ከመይሲ፡ ንዓኺ ዘየገልግል ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡
ኣህዛብ እውን ፈጺሞም ኪጠፍኡ እዮም።+
13 ንቦታ መቕደሰይ ምእንቲ ኼጸብቖ፡+
ክብሪ ሊባኖስን ኦም ጽሕድን ኦም ልብኒን ጽሕዲ ቆጵሮስን+
ብሓባር ኪመጸኪ እዩ፣
ኣነ ድማ ነታ ንኣእጋረይ እትኸውን ቦታ ከኽብራ እየ።+
14 ደቂ ጨቈንትኺ መጺኦም ኣብ ቅድሜኺ ኺሰግዱ፡
ኵሎም እቶም ዚንዕቁኺ ኸኣ ኣብ ኣእጋርኪ ኺሰግዱ እዮም።
ከተማ የሆዋ፡ ጽዮን እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ
ኢሎም ኪጽውዑኺ እዮም።+
15 ሓደ እኳ ዘይሓልፋ እተሓድገትን እተጸልአትን ኣብ ክንዲ እትዀኒ፡+
ምንጪ ዘለኣለማዊ ሓበን፡
ንውሉድ ወለዶ መሐጐሲት ክገብረኪ እየ።+
16 ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡+
ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ፣+
ኣነ የሆዋ፡ መድሓኒኺ ምዃነይ፡
እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ተበጃዊኺ ምዃኑ ብርግጽ ክትፈልጢ ኢኺ።+
17 ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ ኸምጽእ፡
ኣብ ክንዲ ሓጺን ከኣ፡ ብሩር፡
ኣብ ክንዲ ዕንጨይቲ ድማ፡ ነሓሲ፡
ኣብ ክንዲ ኣእማን እውን፡ ሓጺን ከምጽእ እየ፣
ንሰላም ሓለውትኺ ገይረ፡
ንጽድቂ ኸኣ ኣዕየይትኺ ገይረ ኽሸይም እየ።+
18 ኣብ ምድርኺ ዓመጻ፡
ኣብ ዶባትኪ ድማ ጥፍኣትን ዕንወትን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+
ንመካበብያኺ ድሕነት፡+ ንኣፍ ደገታትኪ ኸኣ ውዳሰ ኢልኪ ኽትጽውዕየን ኢኺ።
19 የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+
ኣምላኽኪ ድማ ጽባቐኺ ኪኸውን እዩ እሞ፡+
ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃን ኣይክትኰነልክን እያ፣
ድምቀት ወርሒ ኸኣ ኣይኬብርሃልክን እዩ።
20 የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+
መዓልትታት ሓዘንኪ ድማ ኪውድኣ እየን እሞ፡+
ጸሓይኪ ደጊም ኣይክትዓርብን፡
ወርሕኺ እውን ኣይክትጐድልን እያ።
21 ኵሎም ህዝብኺ ኸኣ ጻድቃን ኪዀኑ፡
ነታ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ኪርስተይዋ እዮም።
ንሳቶም ናይቲ ዝተኸልክዎ ጠጥዒ፡
ግብሪ ኣእዳወይ፡+ ንጽባቐይ እውን ዚዀኑ እዮም።+
22 እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡
እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።
ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ።”