ህዝቅኤል
5 “ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም መላጸ ላጻዪ ኽትጥቀመሉ በሊሕ ሰይፊ ንዓኻ ውሰድ። ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸ፣ ነቲ ጸጕሪ ኽትመዝኖን ክትመቕሎን ከኣ ሚዛን ውሰድ። 2 መዓልትታት ከበባ ምስ ተፈጸማ፡ ሲሶኡ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ኣንድዶ።+ ሲሶኡ ወሲድካ ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ* ብሰይፊ ውቕዓዮ፣+ ሲሶኡ ኸኣ ንንፋስ ፋሕ ኣብሎ፣ ኣነ እውን ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ ኽመልሕ እየ።+
3 “ካብኡ ሒደት ዝቝጽሩ ውሰድ እሞ ብዕጻፍ* ክዳንካ ጠቕልሎ። 4 ገለ ኻብኡ ወሲድካ ድማ ናብ ሓዊ ደርብዮን ኣንድዶን። ካብዚ ኸኣ ሓዊ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ኪዝርጋሕ እዩ።+
5 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚኣ የሩሳሌም እያ። ሃገራት ኣብ ዙርያኣ ገይረ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣንበርክዋ። 6 ንሳ ግና ካብ ኣህዛብን ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዘለዋ ሃገራትን ዝገደደ እከይ ብምግባር፡ ካብ ፍርድታተይን ሕግታተይን ዓለወት።+ ንሳቶምሲ ፍርድታተይ ነጺጎም እዮም፣ ብሕግታተይ እውን ኣይመላለሱን እዮም።’
7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ዝገደደ መሸገርቲ ብምዃንኩምን ብሕግታተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርድታተይ ስለ ዘይፈጸምኩምን፡ የግዳስ ፍርድታት እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ብምስዓብኩም፡+ 8 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ኸተማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርኪ እየ፣+ ኣብ ማእከልኪ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ድማ ኣነ ባዕለይ ፍርዲ ኽፍጽም እየ።+ 9 ብሰሪ ዅሉ ፍንፉን ተግባራትኪ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ዘይፈልጥ፡ ደጊም እውን ዘይገብሮ ነገር ኣባኺ ኽገብር እየ።”+
10 “‘“ስለዚ፡ ኣብ መንጎኺ ዘለዉ ኣቦታት ንደቆም ኪበልዑ፡+ ደቂ እውን ንኣቦታቶም ኪበልዑ እዮም፣ ኣብ መንጎኺ ፍርዲ ኽፍጽም፡ ካባኺ ዝተረፉ ዅሎም እውን ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ።”’+
11 “‘ስለዚ፡ ብዅሎም ጽዩፋት ጣኦታትክን ብዅሉ ፍንፉን ተግባራትክን ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ፡+ ከምቲ ህያው ዝዀንኩ፡ ኣነ እውን ክድርብየኪ እየ፡* ዓይነይ ከኣ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ ድማ ኣይክርሕርሕን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 12 ‘ሲሶኺ ብለበዳ* ኺሞቱ ወይ ኣብ ማእከልኪ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም። ሲሶኺ ኸኣ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ ንሲሶኺ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ፣ ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ እውን ክመልሕ እየ።+ 13 ሽዑ፡ ቍጥዓይ ኪውዳእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎኒ ነድሪ እውን ኪዝሕል፡ ሃናይ እውን ከውጽእ እየ።+ ነድረይ ኣባታቶም ፈንየ ምስ ወዳእኩ፡ ኣነ የሆዋ ንበይነይ ተወፋይነት ብምድላየይ+ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም።
14 “‘ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉ ኣህዛብን ኣብ ኣዒንቲ ዅሉ ሓላፍ መገድን፡ ባድምን መጻረፍን ክገብረኪ እየ።+ 15 ብቝጥዓን ብነድርን ብብርቱዕ መቕጻዕትን ኣባኺ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ኣብ ዙርያኺ ንዘለዉ ኣህዛብ መጻረፍን መስተናዓቕን መለበምን መሰክሕን ክትኰኒ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።
16 “‘ከጥፍኦምሲ፡ ዚቐትል ፍላጻታት ጥሜት ክሰድደሎም እየ። እቲ ዝሰድዶ ፍላጻታት ኬጥፍኣኩም እዩ።+ ቀረብ ምግብኹም ብምቍራጽ፡* ነቲ ጥሜት ከግድዶ እየ።+ 17 ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ክሰድደልኩም እየ፣+ ንዓኺ እውን ደቅኺ ኼስእኑኺ እዮም። ለበዳን ምፍሳስ ደምን ኪውሕጠኪ እዩ፣ ሰይፊ እውን ከምጽኣልኪ እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።’”