ዘሁልቍ
20 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ናብ በረኻ ጺን ኣተወ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ።+ ሚርያም+ ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡ እውን ተቐብረት።
2 ነቲ ኣኼባ ዚኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፣+ ንሳቶም ከኣ ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣከቡ። 3 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኸምዚ ኢሎም ንሙሴ ተቛየቝዎ፦+ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሃበ፧ 4 ንሕናን ማልናን ኣብዚ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንጉባኤ የሆዋ ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጺእኩምዎ፧+ 5 ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ እዚኣ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደዪብኩምና፧+ ንዘርእን ንበለስን ንወይንን ንሮማንን እትኸውን ቦታ ኣይኰነትን፡ ዚስተ ማይ እውን የብላን።”+ 6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ መጺኦም፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ተራእዮም።+
7 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 8 “ነታ በትሪ ውሰዳ እሞ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ነቲ ኣኼባ ኣክብዎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ እሞ፡ ንሱ ማዩ ኺህበኩም እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ካብቲ ኸውሒ እቲ ማይ ከተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንማሎምን ድማ ከተስቲ ኢኻ።”+
9 ሙሴ ኸኣ ከምቲ ዝኣዘዞ፡ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወሰዳ።+ 10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ነቲ ጉባኤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣከብዎ፣ ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ዓለውቲ ሕጂ ስምዑ! ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” በሎም።+ 11 ሽዑ፡ ሙሴ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፣ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፣ እቲ ኣኼባን ማሎምን ከኣ ሰተዩ።+
12 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ “ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩምን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዘይቀደስኩምንን፡ ነዚ ጉባኤ እዚ ናብታ ዝህቦም ምድሪ ኣይከተእትውዎን ኢኹም” በሎም።+ 13 እዚ እቲ እስራኤላውያን ምስ የሆዋ እተቛየቑሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ መንጎኦም እተቐደሰሉ ማይ መሪባ* እዩ።+
14 ሙሴ ኸኣ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ለኣኸ፦+ “ሓውካ እስራኤል+ ከምዚ ይብል፦ ‘ኵሉ እቲ ዝረኸበና ሽግር ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። 15 ኣቦታትና ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ኣብ ግብጺ ኸኣ ብዙሕ ዓመታት* ተቐመጥና፣+ ግብጻውያን ድማ ንዓናን ንኣቦታትናን ገፍዑና።+ 16 ናብ የሆዋ ኸኣ ኣእወና፡+ ንሱ ድማ ሰምዓና፡ መልኣኹ ልኢኹ እውን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።+ ኣብታ ኣብ ዶብ ሃገርካ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ከኣ እነና። 17 በጃኻ፡ ብምድርኻ ኣሕልፈና። ብግራት ወይ ብኣታኽልቲ ወይኒ ኣይክንሓልፍን ኢና፣ ካብ ዒላ ኸኣ ማይ ኣይክንሰትን ኢና። ብሃገርካ ኽሳዕ እንሓልፍ፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ከየላገስና ብመገዲ ንጉስ ክንከይድ ኢና።’”+
18 ኤዶም ግና፡ “ወጺአ ብሰይፊ ኸይቀባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ” በሎ። 19 እስራኤላውያን ከኣ፡ “ብጐደና ኢና እንድይብ፣ ንሕናን ማልናን ካብ ማይካ እንተ ሰቲና ድማ፡ ክንከፍል ኢና።+ ብእግሪ ኽንሓልፍ ጥራይ ኢና እንደሊ” በልዎ።+ 20 ንሱ ግና፡ “ኣይትሓልፍን” በለ።+ ኤዶም ከኣ ምስ ብዙሕ ህዝብን ምስ ሓያል ሰራዊትን* ኪቀባበሎ ወጸ። 21 በዚ ኸምዚ፡ ኤዶም ንእስራኤል ብሃገሩ ምሕላፍ ከልኦ፣ ስለዚ፡ እስራኤል ካብኡ ኣልገሰ።+
22 ህዝቢ እስራኤል፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኻብ ቃዴስ ነቒሉ ናብ ከረን ሆር መጸ።+ 23 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ዶብ ምድሪ ኤዶም ከምዚ በሎም፦ 24 “ኣሮን ናብ ህዝቡ ኺእከብ እዩ።*+ ኣብ ማይ መሪባ ኻብ ትእዛዘይ ስለ ዝዓሎኹም፡ ናብታ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ኣይኪኣቱን እዩ።+ 25 ንኣሮንን ንወዱ ኣልኣዛርን ውሰድ እሞ፡ ናብ ከረን ሆር ኣደይቦም። 26 ክዳውንቲ ኣሮን+ ቀንጢጥካ፡ ንወዱ ኣልኣዛር+ ክደኖ፣ ኣሮን ከኣ ኣብኡ ኺመውት እዩ።”*
27 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ናብ ከረን ሆር ደየቡ። 28 ሙሴ ድማ ንኣሮን ክዳውንቱ ቐንጢጡ፡ ንወዱ ኣልኣዛር ከደኖ። ድሕሪኡ፡ ኣሮን ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ።+ ሙሴን ኣልኣዛርን ከኣ ካብቲ ኸረን ወረዱ። 29 ኵሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን 30 መዓልቲ በኸዩሉ።+