ንኣላዪ። ዳዊት ናብ ባትሴባ ድሕሪ ምእታዉ፡ ነብዪ ናታን ምስ መጾ ዝዘመሮ መዝሙር።+
51 ኦ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።+
ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፡ ኣበሳይ ደምስስ።+
2 ካብ ስሕተተይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣+
ካብ ሓጢኣተይ እውን ኣጽርየኒ።+
3 ኣነስ ንኣበሳይ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ፣
ሓጢኣተይ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እዩ።+
4 ልዕሊ ዅሉ፡ ንዓኻ እየ በዲለ፣+
ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽፉእ ገይረ።+
ስለዚ፡ ብዘረባኻ ጻድቕ ኢኻ፣
ብፍርድኻ ድማ ቅኑዕ ኢኻ።+
5 እንሆ፡ ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ብስሕተት ተሓታቲ እየ፣
ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ጠኒሳትኒ።+
6 እንሆ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ሓቂ ባህ ይብለካ፣+
ንውሽጠይ ናይ ሓቂ ጥበብ ምሃሮ።
7 ምእንቲ ኽጸርስ፡ ካብ ሓጢኣተይ ብሃዛብ ኣንጽሃኒ፣+
ካብ ውርጪ ኽጽዕዱስ፡ ሕጸበኒ።+
8 እቲ ዝሓምሸሽካዮ ኣዕጽምተይ ምእንቲ ኺሕጐስሲ፡+
ደሃይ ደስታን ሓጐስን ኣስምዓኒ።
9 ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ምለስ፣+
ንዅሉ ስሕተተይ እውን ደምስሶ።+
10 ኦ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣+
ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር።+
11 ካብ ቅድሜኻ ኣይትደርብየኒ፣
መንፈስ ቅዱስካ ድማ ኣይተግድፈኒ።
12 ሓጐስ ድሕነትካ ምለሰለይ፣+
ክእዘዘካስ ናይ ፍታው መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣለዓዕል።
13 ሓጥኣን ናባኻ ምእንቲ ኺምለሱስ፡
መገድታትካ ንኣበስቲ ኽምህሮም እየ።+
14 ልሳነይ ጽድቅኻ ብሓጐስ ምእንቲ ኽትነግርሲ፡+
ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ፡+ ካብ ዕዳ ደም ኣድሕነኒ፣+
15 ኣፈይ ውዳሰኻ ምእንቲ ኺነግርሲ፡
ኦ የሆዋ፡ ከናፍረይ ክፈት።+
16 መስዋእትስ ኣይትደልን ኢኻ፣—እምበር፡ ምሃብኩ፣+
በቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ደስ ኣይብለካን እዩ።+
17 ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መስዋእቲ፡ ስቡር መንፈስ እዩ፣
ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ።+
18 ንጽዮን ብጽቡቕ ፍቓድካ ጽቡቕ ግበረላ፣
መካበብያ የሩሳሌም ህነጽ።
19 ሽዑ፡ ብመስዋእቲ ጽድቂ፡
ብዚሓርር መስዋእትን ብምሉእ መስዋእትን፡ ደስ ኪብለካ እዩ፣
ሽዑ፡ ዝራብዓት ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡልካ እዮም።+