17 ካብ ድግስ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡
ቍራስ እንጌራ ምስ ሰላም ይሓይሽ።+
2 ልቦና ዘለዎ ጊልያ ዜሕፍር ንዝግብሩ ውሉድ ይገዝኦ፣
ከም ሓደ ኻብ ኣሕዋት ከኣ ካብ ርስቲ ይካፈል።
3 መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ እዩ፣+
ንልቢ ዚምርምሮ ግና የሆዋ እዩ።+
4 እኩይ ንጐዳኢ ዘረባ የቕልበሉ፣
መታለሊ ኸኣ ንኽፍእቲ ልሳን ይሰምዓ።+
5 ንድኻ ዜላግጸሉ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+
ብጥፍኣት ካልእ ዚሕጐስ ድማ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።+
6 ደቂ ደቂ ንኣረገውቲ ዘውዶም እዮም፣
ኣቦታት ከኣ ንደቆም ክብሪ እዮም።
7 ቅኑዕ ዘረባ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+
ዘረባ ሓሶት ግዳ ንገዛኢ ኽንደይ ዝገደደ ዘይግባእ ዘይከውን!+
8 ህያብ ንዋናኡ ኸም ክቡር እምኒ እዩ፣+
ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ የስልጠሉ።+
9 ኣበሳ ዚሓድግ፡ ፍቕሪ ይደሊ፣+
ንነገር መመሊሱ ዜልዕሎ ግና ናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+
10 ካብ ሚእቲ መውቃዕቲ ንዓሻስ፡+
መግናሕቲ ኣብ ብዓል ኣእምሮ ዝዓመቘ ጦብላሕታ ይሓድግ።+
11 ክፉእ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፣
ጨካን ልኡኽ ከኣ ኪቐጽዖ ይለኣኽ።+
12 ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዜጓንፈካስ፡
ኰራዅራ ዝጠፍእዋ ድቢ ኸተጓንፈካ ይሓይሽ።+
13 ሰብ ኣብ ክንዲ ጽቡቕሲ ኽፉእ ምስ ዚፈዲ፡
ክፉእ ካብ ቤቱ ኣየልግስን።+
14 ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ እዩ፣
ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ።+
15 ንእኩይ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡+
—ክልቲኦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም።
16 ዓሻስ ጥበብ ንምጥራይ ልቢ ዘይብሉ ኽነሱ፡
ኬጥርያ ዜኽእሎ ዓቕሚ እንተ ኣለዎ እንታይ ይጠቅም፧+
17 ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣+
ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።+
18 ልቢ ዘይብሉ ሰብ ኢድ ይጠቅዕ እሞ፡
ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኺውሓስ ይሰማማዕ።+
19 ግጭት ዚፈቱ፡ ኣበሳ ይፈቱ።+
ኣፍ ደጊኡ ዜበርኽ፡ ውድቀት ይዕድም።+
20 ቄናን ዝልቡ ኣሳልጦ ኣይረክብን፣+
ብምትላል ዚዛረብ ድማ፡ ናብ ጥፍኣት ይወድቕ።
21 ዓሻ ወዲ ዝወለደ፡ ይጕሂ፣
ኣቦ ሃላይ እውን ኣይሕጐስን።+
22 ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣+
ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።+
23 እኩይሲ መገዲ ፍትሒ ንምቕናን፡
ብሕቡእ ጉቦ ይወስድ።+
24 ጥበብ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ኣስተውዓሊ ሰብ እያ፣
ኣዒንቲ ዓያሹ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ የብላ።+
25 ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ የጕህዮ፣
ንወላዲቱ ኸኣ ጓሂ ልቢ እዩ።+
26 ንጻድቕ ምቕጻዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፣
ንኽቡራት ምግራፍ ድማ ቅኑዕ ኣይኰነን።
27 ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣+
ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ።+
28 ዓሻ እኳ ስቕ ምስ ዚብል፡ ከም ጥበበኛ፡
ከናፍሩ ዚሓትም ድማ ከም ኣስተውዓሊ ይርአ።