ኢሳይያስ
48 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡
ኣቱም ብስም እስራኤል እትጽውዑ፡+
ካብ ማያት ይሁዳ ኸኣ ዝወጻእኩም፡*
ኣቱም ብስም የሆዋ እትምሕሉ፡+
ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡
ንኣምላኽ እስራኤል እትጽውዑ፡ እዚ ስምዑ።+
3 “እቲ ዝቐደመ፡* ጥንቲ ነጊረኩም እየ።
ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ፣
ኣነ ኸኣ ኣስሚዐ።+
ብሃንደበት ገይረ፡ መጺኡ ድማ።+
‘ጣኦተይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፣
ጽሩብ ምስለይን ፍሱስ ምስለይን እዩ ነዚ ዝኣዘዞ’ ኸይትብልሲ፡
ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣስሚዐካ።
6 ነዚ ዅሉ ሰሚዕካዮን ርኢኻዮን ኢኻ።
ብዛዕባኡስ ኣይትነግሩን ዲኹም፧+
ካብ ሕጂ ኣትሒዘ ሓድሽ ነገር፡
ዘይፈለጥካዮ እተሓለወ ምስጢራት ከስምዓካ እየ።+
7 ሕጂ እተፈጥረ እዩ እምበር፡ ጥንቲ ኣይኰነን፣
‘እንሆ፡ እፈልጦ እየ’ ኸይትብልሲ፡
ቅድሚ ሎሚ ዘይሰማዕካዮ ነገር እዩ።
8 ኣይሰማዕካን፡+ ኣይፈለጥካን፡
ኣእዛንካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ኣይተኸፍታን።
10 እንሆ፡ ኣጽርየካ፣ ግናኸ፡ ከም ብሩር ኣይኰነን።+
ክብረይ ንኻልእ ኣይህብን እየ።*
12 ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስምዓኒ።
ኣነ ወትሩ ኣነ እየ።+ ቀዳማይ ኣነ እየ፣ ዳሕራይ እውን ኣነ እየ።+
ምስ ዝጽውዖም፡ ብሓደ ይቘሙ።
14 ኵላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ።
ካባታቶምሲ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧
የሆዋ ኣፍቂርዎ እዩ።+
15 ኣነ ባዕለይ ተዛሪበ፡ ኣነ እውን ጸዊዐዮ።+
ኣነ ኣምጺአዮ፡ መገዱ ድማ ኪቐንዓሉ እዩ።+
16 ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ኸኣ ስምዑ።
ካብ መጀመርታ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን።+
ካብቲ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዘ ኣብኡ ነይረ።”
ሕጂ ድማ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንዓይን ንመንፈሱን* ልኢኹ ኣሎ።
17 የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+
18 ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን!+
19 ዘርእኻ ኸም ሑጻ ዝምብዛሖም፡
ውሉዳትካ ድማ ከም ድበት ምዀኑ ነይሮም።+
ስሞም ከቶ ኣይምተመንቈሰን፡ ወይ ካብ ቅድሜኻ ኣይምጠፍአን ነይሩ።”
20 ካብ ባቢሎን ውጹ!+
ካብ ከለዳውያን ህደሙ!
ብእልልታ ንገሩ! ኣውጁ!+
ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኣፍልጡ።+
“የሆዋ ንጊልያኡ ያእቆብ ተበጅይዎ።+
21 ብዝባደመ ቦታታት ኪመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን።+
ካብ ከውሒ ማይ ኣውሓዘሎም፣
ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ” በሉ።+
22 “ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን” ይብል የሆዋ።+