ዘጸኣት
15 ሽዑ፡ ሙሴን እስራኤላውያንን ንየሆዋ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፦+
“ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ።+
ንፈረስን ንተወጣሒኡን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።+
2 ያህ* ድሕነተይ ስለ ዝዀነ፡ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ።+
እዚ ኣምላኸይ እዩ፡ ክውድሶ እየ፣+ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡+ ልዕል ከብሎ እየ።+
3 የሆዋ ሓያል ተዋጋኢ እዩ።+ ስሙ የሆዋ እዩ።+
4 ንሰረገላታት ፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርብይዎም።+
ሕሩያት ተዋጋእቱ ኸኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም።+
5 ቡሕቡሕታ ማያት ከዲንዎም፣ ከም እምኒ ናብ መዓሙቝ ጥሒሎም።+
6 ኦ የሆዋ፡ የማነይቲ ኢድካ ብሓይሊ ዓባይ እያ፣+
ኦ የሆዋ፡ የማነይቲ ኢድካ ንጸላኢ ትሕምሽሾ እያ።
7 ንዚትንስኡኻ ብዓብዪ ግርማኻ ተውድቖም፣+
ዚነድድ ቍጥዓኻ ትሰድድ እሞ፡ ከም ሓሰር ይበልዖም።
9 ጸላኢ፡ ‘ክስዕቦም እየ! ከርክቦም እየ!
ክሳዕ ዝጸግብ፡* ምርኮ ኽመቅል እየ!
ሰይፈይ ክመልሕ እየ! ኢደይ ክትስዕሮም እያ!’ ኢሉ።+
10 ብትንፋስካ ኡፍ ኢልካ፡ ባሕሪ ድማ ከዲንዎም፣+
ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጥሒሎም።
11 ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽትስ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+
ኣታ ብመዝሙር ውዳሰ እትኽበር፡ መስተንክር እትገብር፡+
ብቕድስና ዓብዪ ዝዀንካ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+
12 የማነይቲ ኢድካ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ኸኣ ውሒጣቶም።+
14 ህዝብታት ይስምዑ፡+ ፈጥፈጥ ከኣ ኪብሉ እዮም፣
ንነበርቲ ፍልስጥኤም ቅልውላው ኪሕዞም እዩ።
ኵሎም ነበርቲ ከነኣን ኪጃጅዉ እዮም።+
16 ፍርህን ራዕድን ኪወድቆም እዩ።+
18 የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።+
19 ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ምስ ኣተዉ፡+
የሆዋ ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መሊስዎ፣+
ህዝቢ እስራኤል ግና ብንቑጽ ምድሪ ብማእከል ባሕሪ ሓሊፎም።”+
20 ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ፡ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፣ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ሰዓባኣ። 21 ሚርያም ከኣ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም፦
“ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ።+
ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።”+
22 ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንቀሎም፣ ናብ በረኻ ሹር ከኣ ከዱ፣ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ፡ ማይ ግና ኣይረኸቡን። 23 ናብ ማራ* ድማ መጹ፡+ ማይ ማራ ግና መሪር ስለ ዝነበረ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ማራ ኢሉ ሰመያ። 24 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እንታይ ክንሰቲ ኢና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።+ 25 ንሱ ድማ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣+ የሆዋ ኸኣ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ። ንዓኣ ናብቲ ማይ ምስ ደርበያ ድማ፡ እቲ ማይ ጥዑም ኰነ።
ኣብኡ ኸኣ ስርዓትን ሕግን ገበረሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም።+ 26 ከምዚ ድማ በለ፦ “ቃል የሆዋ ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዘበለ ኸኣ እንተ ጌርካ፡ ናብ ትእዛዛቱ ድማ ጽን እንተ ኢልካ፡ ኵሉ ስርዓታቱ እውን እንተ ሓሊኻ፡+ ኣነ እቲ ዘሕውየካ የሆዋ እየ እሞ፡+ ናብ ልዕሊ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማማት ኣይከምጽኣልካን እየ።”+
27 ድሕርዚ፡ ናብ ኤሊም መጹ፣ ኣብኣ ድማ 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።