ራእይ
6 እቲ ገንሸል፡*+ ሓደ ኻብቲ ሸውዓተ ማሕተም ምስ ፈትሐ+ ኸኣ ረኣኹ፣ ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት+ ድማ ከም ደሃይ ነጐዳ ብዝበለ ድምጺ፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 2 ረኣኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣምበላይ* ፈረስ፣+ እቲ እተወጥሖ ኸኣ ቀስቲ ኣለዎ፣ ኣኽሊል እውን ተዋህቦ፣+ እናሰዓረስ ኪስዕር* ድማ ወጸ።+
3 ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር፡+ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 4 ካልእ ሓመር* ፈረስ ድማ ወጸ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተፈቕደሉ፣ ዓብዪ ሰይፊ እውን ተዋህቦ።+
5 ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡+ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር፡+ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል* ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። 6 ካብ ማእከል እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ከም ድምጺ ዚመስል፡ “ሓደ ኮይኒክስ* ስርናይ ብዲናር፡*+ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፣ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ድማ ኣይትጕዳእ” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።+
7 ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር፡+ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ ጨላይ* ፈረስ፣ ስም እቲ እተወጥሖ ድማ ሞት እዩ። መቓብር* እውን ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ብነዊሕ ሰይፍን ብጥሜትን+ ብመቕዘፍትን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንርብዒ ምድሪ ኪቐትሉ ስልጣን ተዋህቦም።+
9 ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት*+ እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝመስከርዎ ምስክርን እተሓርዱ፡+ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረኣኹ።+ 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ፡ “ኦ ቕዱስን ናይ ሓቅን+ ልዑላዊ ጐይታ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኻ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” እናበሉ ጨርሑ።+ 11 ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፣+ ቍጽሪ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚመልእ ድማ፡ ቍሩብ ግዜ ኺዓርፉ ተነግሮም።+
12 ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ ረኣኹ እሞ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ ጸሓይ ብጸጕሪ* ኸም እተገብረ ማቕ ጸለመት፡ ብዘላ ወርሒ እውን ከም ደም ኰነት።+ 13 ከምቲ ኦም በለስ* ብብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ በለት ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ እተርግፍ፡ ከምኡ ድማ ከዋኽብቲ ሰማይ ናብ ምድሪ ወደቑ። 14 ሰማይ ከኣ ከም ዚጥቕለል ዘሎ መጽሓፍ ኣልገሰ፣+ ኵሎም ኣኽራንን ደሴታትን እውን ካብ በቦታኦም ገዓዙ።+ 15 ሽዑ፡ ነገስታት ምድርን መኳንንትን ኣሕሉቕ ሽሕን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ መንጎ ኣኻውሕ ኣኽራንን ተሓብኡ።+ 16 ንኣኽራንን ንኣኻውሕን ድማ፡ “ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም፡+ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠን+ ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልን ሕብኡና፣+ 17 ከመይሲ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መጺኣ ኣላ፡+ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” በልዎም።+