ሆሴእ
13 “ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፡ ራዕራዕታ ይኸውን ነይሩ፣
ኣብ እስራኤል ምርኡይ ነይሩ።+
ግናኸ፡ ምስ በዓል ብእተተሓሓዘ በዲሉስ+ ሞይቱ።
ንዓታቶም፡ ‘እቶም መስዋእቲ ዚስውኡ ሰባት ነቶም ምራኹት ይሳለምዎም’ ይብልዎም።+
3 ስለዚ፡ ንሳቶም ከም ደበናታት ንግሆ፡
ከምቲ ብንግሆኡ ዚጠፍእ ኣውሊ፡
ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብህቦብላ ዚብተን ብቝቡቝ፡
ከምቲ ኣብ ናሕሲ ብዚርከብ ነዃል ዚወጽእ ትኪ እዮም።
5 ኣነ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድሪ ደርቂ ፈሊጠካ።+
6 ንሳቶም ብመጓሰዪታቶም ጸጊቦም፣+
ጸጊቦም ድማ ልቦም ተዓብዩ።
ስለዚ፡ ረሲዖምኒ።+
7 ኣነ ኸም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡+
ኣብ ጥቓ መገዲ ኸም ዜድቢ ነብሪ ክዀኖም እየ።
8 ኰራዅራ ኸም ዝጠፍእዋ ድቢ ዀይነ ኽጐብጦም፡
ደረቶም* ከኣ ክትርትሮ እየ።
ከም ኣንበሳ ኽበልዖም እየ፣
ኣራዊት መሮር ድማ ኪሰላልዖም እዩ።
9 ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻረይ፡ ኣንጻር ረዳኢኻ ስለ ዝዀንካ፡
ንሱ ኼጥፍኣካ እዩ።
10 ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካስ ንጉስካ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+
12 ስሕተት ኤፍሬም ተጠቕሊሉ፡*
ሓጢኣቱ ተዓቚሩ ኣሎ።
13 ቅልውላው ሕርሲ ኺመጾ እዩ።
ንሱ ግና ዘይለባም ውሉድ እዩ፣
ግዜ ሕርሲ ምስ ኣኸለ፡ ኪውለድ ኣይቀርብን።
ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧+
ኣታ መቓብር፡ መጥፍኢ ምዃንካ ኣበይ ኣሎ፧+
ርሕራሐ ኻብ ኣዒንተይ ክትሕባእ እያ።
15 ኣብ መንጎ ሻምብቆታት እኳ እንተ ለምዐ፡
ንፋስ ምብራቕ፡ ንፋስ የሆዋ ኺመጽእ፡
ዒላኡ ኼንቅጽን ዓይኒ ማዩ ኼንጽፍን ካብ ምድረ በዳ ኺመጽእ እዩ።
ንሱ መዝገብ ኵሉ ኽቡር ነገራቱ ኺዘምት እዩ።+