ፊልጲ
2 እምበኣር፡ ብክርስቶስ ገለ መተባብዒ፡ ወይስ ገለ መጸናንዒ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ መንፈሳዊ ሕብረት፡* ወይስ ገለ ልባዊ ፍቕርን ርሕራሐን እንተሎ፡ 2 ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ኣልዩኩም፡* ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብኩም፡ ሓጐሰይ ምሉእ ግበርዎ።+ 3 ካብ ንግርምና+ ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ+ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።+ 4 ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡+ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።+
5 እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡+ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ። 6 ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡+ ማዕረ ኣምላኽ ንምዃን ኪፍትን ኢሉ እኳ ኣይሓሰበን።+ 7 የግዳስ፡ ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡+ ሰብ እውን ኰይኑ እዩ።*+ 8 ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ* ድማ፡ ርእሱ ኣትሒቱ እዩ፣ ክሳዕ ሞት፡+ አረ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ክሳዕ ሙማት እኳ ተኣዚዙ እዩ።+ 9 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ፡+ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሂብዎ።+ 10 ከምኡ ዝገበረ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡+ 11 ኵሉ ልሳን እውን ንኽብሪ ኣቦና ኣምላኽ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን እዩ።+
12 ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ከየለኹ እውን ብዝያዳ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ። 13 እቲ ምእንቲ ፍታዉ ኢሉ ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ። 14 ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን+ ብዘይ ክርክርን+ ግበርዎ። 15 ከምኡ እትገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ፡+ መንቅብ ዘይብሎምን ገርህታትን ኣበር ዘይብሎም ውሉዳት ኣምላኽ ኴንኩም፡+ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡+ 16 ነቲ ቓል ህይወት እውን ኣጽኒዕኩም ምእንቲ ኽትሕዝዎ እዩ።+ ሽዑ፡ በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ ፈሊጠ መሐጐሲ ኽረክብ እየ። 17 ግናኸ፡ ኣብቲ ብእምነትኩም ተደሪኽኩም እትገብርዎ መስዋእትን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን* ከም መስዋእቲ መስተ+ እፈስስ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ባህ ይብለንን ምስ ኵላትኩም እሕጐስን እየ። 18 ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ ይበልኩምን ምሳይ ተሓጐሱን።
19 ብዛዕባኹም ሰሚዐ ምእንቲ ኽተባባዕ ከኣ፡ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ኽልእከልኩም ብጐይታና የሱስ ተስፋ ገይረ ኣለኹ።+ 20 ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን። 21 ኵላቶምሲ ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። 22 ግናኸ፡ ከምቲ ውሉድ+ ንኣቦኡ ዚዀኖ ዀይኑ፡ ነቲ ብስራት ምሳይ ኰይኑ ብምግልጋል፡ ብዛዕባ ርእሱ ዘቕረቦ መርትዖ ትፈልጡ ኢኹም። 23 እምበኣር፡ ኵነታተይ ምስ ረኣኹ፡ ቀልጢፈ ንዕኡ ኽልእከልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። 24 ኣነ ባዕለይ እውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እተኣማመን እየ።+
25 ንሕጂ ግና ነቲ ሓወይን መዓይይተይን ብጻየይ ወተሃደርን ዝዀነ፡ ብዜድልየኒ ዘበለ ኼገልግለኒ ኸኣ ዝለኣኽኩምዎ ኤጳፍሮዲጦስ ክልእከልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።+ 26 ምኽንያቱ፡ ንሱ ንዅላትኩም ኪርእየኩም ናፊቑ ኣሎ፡ ምሕማሙ ብምስማዕኩም ከኣ ተጨኒቑ ኣሎ። 27 አረ ሓሚሙስ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ምሒርዎ፣ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንዓይ እውን እምበር፡ ንዕኡ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓሮ። 28 ስለዚ፡ ምስ ረኣኹምዎ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነ እውን ጭንቀተይ ምእንቲ ኪቐልለለይ፡ ተቐላጢፈ እልእኮ ኣለኹ። 29 እምበኣር፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ኣኽብርዎም፣+ 30 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ ኢሉ፡+ ስለ ዕዮ ክርስቶስ* ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ።