ማቴዎስ
3 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ዮሃንስ+ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣+ 2 “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ድማ በለ።+ 3 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡+ “ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ’”+ ተባሂሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። 4 ዮሃንስ ድማ ጸጕሪ ገመል ይኽደን፡ ዕጣቕ ቈርበት ከኣ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ።+ ምግቡ ድማ ኣንበጣን መዓር በረኻን ነበረ።+ 5 ሽዑ፡ ካብ የሩሳሌምን ካብ ኵሉ ይሁዳን ካብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጹ፣+ 6 ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ድማ፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ+ ብእኡ ተጠምቁ።*
7 ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሰዱቃውያንን+ ናብቲ ጥምቀት ኪመጹ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡*+ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸተምልጡ ደኣ መን ኣጠንቂቕኩም፧+ 8 እምበኣር፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ፍረዩ፣ 9 ከምቲ ብልብኹም፡ ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’+ እትብልዎ ኣይምሰልኩም። ኣምላኽሲ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 10 ድሮ እኳ ፋስ ኣብ ሱር እቲ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።+ 11 ኣነስ ስለ ንስሓኹም ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፣+ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና፡ ካባይ ይብርትዕ እዩ፣ ኣነስ ኣሳእኑ ኸውጽእ እኳ ኣይበቅዕን እየ።+ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን+ ብሓውን+ ኬጥምቐኩም እዩ። 12 መዝረዊኡ ኣብ ኢዱ እዩ፣ ንዓውዱ እውን ኣጸቢቑ ኼጽርዮ እዩ፣ ንስርናዩ ኣብ ማዕከኑ ኺእክብ፡ ነቲ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።”+
13 ሽዑ፡ የሱስ ብዮሃንስ ምእንቲ ኺጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ።+ 14 ዮሃንስ ግና፡ “ኣነ ብኣኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ኣበዮ። 15 የሱስ ከኣ፡ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ፡ ኣይኣበዮን። 16 የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ፣ እንሆ፡ ሰማያት ተኸፍተ፣+ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ኺዓርፍ ከሎ ረኣየ።+ 17 እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+