18 ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፣
ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ከኣ ይነጽጎ።
2 ዓሻ ብምስትውዓል ባህ ኣይብሎን፣
የግዳስ፡ ኣብ ልቡ ዘሎ እዩ ዚቐልዕ።+
3 እኩይ ምስ ዚመጽእ፡ ንዕቀት እውን ይመጽእ፣
ምስ ውርደት ድማ ሕስረት ኣሎ።+
4 ቃላት ኣፍ ሰብ ዓሚቝ ማያት እዩ።+
ምንጪ ጥበብ፡ ዚውሕዝ ዛራ እዩ።
5 ምእንቲ እኩይ ኢልካ ኣድልዎ ምግባር፡+
ወይ ንጻድቕ ፍትሒ ምኽላእ ጽቡቕ ኣይኰነን።+
6 ዘረባ ዓሻ ናብ ቈየቛ ይመርሕ፣+
ኣፉ ድማ መውቃዕቲ ይዕድም።+
7 ኣፍ ዓሻ ጥፍኣቱ እዩ፣+
ከናፍሩ ኸኣ መጻወድያ ህይወቱ እየን።
8 ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ፣+
ምስ ተዋሕጠ ኽሳብ ከብዲ ይወርድ።+
9 ኣብ ዕዮኡ ዚህከ፡
ሓው መጥፍኢ እዩ።+
10 ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ።+
ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።+
11 ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ፣
ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዜዕቍብ መካበብያ እዩ።+
12 ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዑል እዩ።+
ትሕትና ድማ ቅድሚ ኽብሪ እያ።+
13 ከይሰምዐ ዚምልስ፡
ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።+
14 ሰብ ምስ ዚሓምም፡ መንፈሱ ይድግፎ፣+
ንእተሰብረ መንፈስ ግና መን ኪጾሮ ይኽእል፧+
15 ልቢ ብዓል ኣእምሮ፡ ፍልጠት የጥሪ፣+
እዝኒ ጥበበኛ ኸኣ ፍልጠት ትደሊ።
16 ንሰብ ህያቡ መገዲ ይኸፍተሉ፣+
ናብ ዓበይቲ ድማ የእትዎ።
17 እቲ ሓደ ወገን መጺኡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚምርምሮ፡+
እቲ ቕድም ጕዳዩ ዜቕርብ ቅኑዕ ይመስል።+
18 ዕጫ ምውዳቕ ንባእሲ መወዳእታ ይገብረሉ፣+
ኣብ መንጎ ብርቱዓት ተጻረርቲ ድማ ይውስን።
19 እተበደለ ሓው ካብ እተዓርደት ከተማ ብዝያዳ ይቃወም፣+
ከም ተገዳማት ዕርዲ ዝበለ ባእሲ ኸኣ ኣሎ።+
20 ከብዲ ሰብ ብፍረ ዘረባኡ ይመልእ፣+
ብፍረ ኸናፍሩ ድማ ይጸግብ።
21 ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን እየን፣+
እቶም ኪጥቀሙላ ዚፈትዉ፡ ፍሪኣ ይበልዑ።+
22 ሕያወይቲ ሰበይቲ ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ፣+
ሞገስ የሆዋ ኸኣ ይረክብ።+
23 ድኻ ኺዛረብ ከሎ ይልምን፣
ሃብታም ግና ብትሪ ይምልስ።
24 ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣+
ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።+