ዘዳግም
19 “ነቶም የሆዋ ኣምላኽካ ምድሮም ዚህበካ ኣህዛብ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ፡ ንስኻ ምስ ኣልቀቕካዮምን ኣብ ከተማታቶምን ኣባይቶምን ምስ ተቐመጥካን፡+ 2 ኣብ ማእከል እታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ።+ 3 ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ ነታ ሃገር ኣብ ሰለስተ ምቐላ፣ ሰብ ዝቐተለ ዘበለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት ምእንቲ ኺሃድም ድማ መገዲ ኣዳሉ።
4 “ናብኡ ዚሃድም ቀታሊ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ከምዚ ይገበር፦ ብዘይፍላጥ ንብጻዩ እንተ ወቒዕዎ እሞ፡ ኣቐዲሙ ጽልኢ እንተ ዘይነይርዎ፡+ 5 ንኣብነት፡ ዕንጨይቲ ኺኣሪ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፊሩ፡ ብፋስ ኦም ኪቘርጽ ኢዱ ምስ ኣልዓለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ተነጺሉ ነቲ ብጻዩ እንተ ወቒዕዎ እሞ ንሱ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ብህይወት ኪነብርሲ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም።+ 6 እንተ ዘይኰነስ፡ እታ ኸተማ ስለ ዝረሓቐት፡ እቲ ፈዳይ ደም+ ብቝጥዓ ነዲሩ* ደድሕሪ እቲ ሰብ ዝቐተለ ስዒቡ፡ ኣርኪቡ ኪቐትሎ እዩ። ግናኸ፡ ኣቐዲሙ ንብጻዩ ጽልኢ ስለ ዘይነበሮ፡ ኪመውት ኣይግብኦን እዩ።+ 7 ስለዚ እየ፡ ‘ሰለስተ ኸተማ ፍለ’ ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ።
8 “የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ሃገርካ ምስ ኣግፍሓልካ፡+ ኵላ እታ ንኣቦታትካ ኺህቦም ዘተስፈዎም ምድሪ ድማ ምስ ሃበካ፡+ 9 —ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተፍቅሮን ወትሩ ብመገዱ ኽትመላለስን ከኣ፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ብተኣማንነት እንተ ሓሊኻ፡—ነዘን ሰለስተ እዚአን፡ ካልእ ሰለስተ ኸተማ ወስኸለን።+ 10 በዚ ኸምዚ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ኣይፈስስን፡+ ዕዳ ደም ድማ ኣይህልወካን።+
11 “ግናኸ፡ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸሊእዎ፡+ ኣድብዩ ጸኒሑ ኸኣ ክሳዕ ዚመውት እንተ ወቒዕዎ፡* ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ከኣ እንተ ሃዲሙ፡ 12 ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ።+ 13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ነቲ ዕዳ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ+ እምበር፡ ኣይትደንግጸሉ።*
14 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ርስትኻ ምስ ተቐበልካ፡ ምልክት ዶብ ብጻይካ ኻብቲ ኣቦታትካ ዝደወብዎ ዶብ ኣይተግዕዝ።+
15 “ሰብ ብዛዕባ ዝገበሮ ዝዀነ ስሕተት ወይ ዝዀነ በደል፡ ብሓደ ምስክር ገበነኛ ኪኸውን* ኣይክእልን እዩ።+ ነገር ብምስክርነት* ክልተ መሰኻኽር ወይ ብምስክርነት ሰለስተ መሰኻኽር ይጽናዕ።+ 16 ተንኰለኛ ምስክር ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብገለ ኣበሳ እንተ መስኪሩን እንተ ኸሲስዎን፡+ 17 እቶም ባእሲ ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልትታት እቲአን ዘለዉ ፈራዶን ይቑሙ።+ 18 እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፣+ እቲ ዝመስከረ ሰብ ከኣ ሓሳዊ ምስክር እንተ ዀይኑ፡ ንሓዉ ኸኣ ብሓሶት እንተ ኸሲስዎ፡ 19 ከምቲ ንሓዉ ኺገብሮ ዝሓሰበ፡ ግበርዎ፣+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 20 እቶም ዝተረፉ ድማ ኪሰምዑን ኪፈርሁን እዮም፣ ደጊም ከኣ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣብ መንጎኻ ኣይኪገብሩን እዮም።+ 21 ኣይትደንግጸሉ፦*+ ኣብ ክንዲ ህይወት፡* ህይወት፣* ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፣ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፣ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ ይኹን።+