ኢሳይያስ
66 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ሰማያት ዝፋነይ እዩ፣ ምድሪ ኸኣ ድኳ እግረይ እያ።+
እታ ኽትሃንጹለይ እትኽእሉ ቤት ደኣ ኣበይ ኣላ፧+
እታ ዝዓርፈላ ቦታኸ ኣበይ ኣላ፧”+
3 እቲ ብዕራይ ዚሓርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ።+
እቲ በጊዕ ዚስውእ፡ ከምቲ ኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ።+
እቲ መባእ ዜቕርብ፡ ከምቲ ደም ሓሰማ ዜቕርብ እዩ።+
እቲ ንመዘከርታ ጻዕዳ ዕጣን ዜቕርብ፡+ ከምቲ ብስሒራዊ ቓላት ዚባርኽ* እዩ።+
መገድታት ርእሶም ሓርዮም፣
ብጽያፍ ከኣ ደስ ይብሎም።*
4 ስለዚ፡ ንዓታቶም ዝቐጽዓሉ መገድታት ክሓሪ እየ፣+
እቲ ዚፈርህዎ ድማ ከውርደሎም እየ።
ጸዊዐስ፡ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፣
ተዛሪበስ፡ ዝሰምዓኒ ኣይነበረን።+
ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ዘበለ ገይሮም፣
ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓርዮም።”+
5 ኣቱም ብቓሉ ራዕራዕ እትብሉ፡* ቃል የሆዋ ስምዑ፦
6 ካብ ከተማ ደሃይ ያዕያዕታ፡ ካብ ቤተ መቕደስ ደሃይ ይስማዕ ኣሎ!
ደሃይ እቲ የሆዋ ንጸላእቱ ዚግብኦም ኪፈድዮም ከሎ ዚስማዕ እዩ።
ከይተጻዕረት፡ ተባዕታይ ሕጻን ወሊዳ።
8 ከምዚ ዝበለ መን ሰሚዑ ይፈልጥ፧
ከምዚ ዝበለኸ መን ርእዩ ይፈልጥ፧
ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ፧
ህዝቢዶኸ ብሓንሳእ ይውለድ እዩ፧
ግናኸ፡ ጽዮን ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወሊዳ።
9 “ኣነ ኽሳዕ ምውላድ ኣብጺሐስ፡ ከም ዚውለድ ኣይገብርንዶ፧” ይብል የሆዋ።
“ኣነ ኸም ዚውለድ ገይረስ፡ ንማሕጸን እዓጹዶ፧” ይብል ኣምላኽኪ።
10 ኣቱም እትፈትውዋ፡ ምስ የሩሳሌም ተሓጐሱ፡ ምስኣ እውን ባህ ይበልኩም።+
ኣቱም ብእኣ እትሓዝኑ ዅላትኩም፡ ምስኣ ኣዚኹም ተፈስሁ፣
11 ክትጠብዉን ካብ ኣጥባት መጸናንዒኣ ኽትጸግቡን ኢኹም፣
ኣጸቢቕኩም ክትሰትዩ ኢኹም፣ ብብዝሒ ኽብራ ድማ ደስ ኪብለኩም እዩ።
12 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
ንስኻትኩም ከኣ ክትጠብዉ፡ ኣብ ጐድኒ ኽትሕቈፉ፡
ኣብ ኣብራኽ ድማ ክትሰራሰሩ ኢኹም።
14 እዚ ኽትርእዩ፡ ልብኹም ድማ ኪሕጐስ፡
ኣዕጽምትኹም እውን ከም ለምለም ሳዕሪ ኺጥጥዕ እዩ።
ኢድ የሆዋ ንገላዉኡ ኽትፍለጥ እያ፣
ንጸላእቱ ግና ኪዅንኖም እዩ።”+
17 “እቶም ነቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ስዒቦም ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ* ኺኣትዉ ዚቕደሱን ዚጸርዩን፡+ እቶም ስጋ ሓሰማን+ ፍንፉን ነገርን ኣንጭዋን+ ዚበልዑ፡ ኵላቶም ብሓደ ኺውድኡ እዮም” ይብል የሆዋ። 18 “ኣነ ብዛዕባ ግብርታቶምን ሓሳባቶምን ስለ ዝፈልጥ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ክእክብ እመጽእ ኣለኹ፣ መጺኦም ድማ ክብረይ ኪርእዩ እዮም።”
19 “ኣብ መንጎኦም ትእምርቲ ኽገብር እየ፣ ገለ ኻብቶም ዜምልጡ ድማ ናብቶም ብዛዕባይ ወረ ዘይሰምዑ፡ ክብረይ እውን ዘይረኣዩ ኣህዛብ፡—ናብ ተርሲስን+ ጱልን ሉድን+ ናብቶም ቀስቲ ዚግትሩን ናብ ቱባልን ያዋንን+ ናብ ርሑቓት ደሴታትን፡—ክሰድድ እየ፣ ክብረይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪእውጁ እዮም።+ 20 ከምቲ ህዝቢ እስራኤል ንመባኦም ኣብ ጽሩይ ኣቕሑ ገይሮም ናብ ቤት የሆዋ ዜምጽእዎ፡ ንዅሎም ኣሕዋትኩም ብኣፍራስን ብሰረገላታትን ብሽፉናት ሰረገላታትን ብኣባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ካብ ኵሎም ኣህዛብ ክሳብ እቲ ቕዱስ ከረነይ የሩሳሌም ንየሆዋ መባእ ገይሮም ኬምጽእዎም እዮም”+ ይብል የሆዋ።
21 “ካህናትን ሌዋውያንን ዚዀኑ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ” ይብል የሆዋ።
22 “ከምቲ እቲ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን+ ኣብ ቅድመይ ቈይሙ ዚነብር፡” ይብል የሆዋ፡ “ከምኡ ድማ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ።”+