ሚክያስ
7 ኣነ ኸምቲ ፍረ ሓጋይ ምስ ተኣከበ፡
ድሕሪ ምእካብ ፍረ ወይኒ ኸኣ ቀሪም ምስ ተቐርመ፡
ዚብላዕ ዘለላ ወይኒ ዀነ
ዝምነዮ* ቐዳማይ በለስ ዘይረክብ
ኰይነ እየ እሞ፡ ወይለይ!
2 እሙን ካብ ምድሪ ጠፊኡ፣
ኣብ መንጎ ሰባት፡ ሓደ እኳ ቕኑዕ የልቦን።+
ኵላቶም ደም ኬፍስሱ የድብዩ።+
ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሃድኖ።
4 እቲ ኻባታቶም ዝበለጸ ኸም እሾዅ እዩ፣
እቲ ኻባታቶም ዝቐንዐ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ።
መዓልቲ ሓለውትኻን ምጽብጻብካን ክትመጽእ እያ።+
ሕጂ ኺስምብዱ እዮም።+
5 ብብጻይካ ኣይትእመን፣
ወይ ብናይ ቀረባ ዓርክኻ ኣይትተኣመን።+
ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትድቅስ፡ ኣፍካ ሓሉ።
ኣምላኸይ ኪሰምዓኒ እዩ።+
8 ኣቲ ጸላኢተይ፡ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ።
ዋላ እኳ እንተ ወደቕኩ፡ ክትንስእ እየ፣
ኣብ ጸልማት እኳ እንተ ተቐመጥኩ፡ የሆዋ ብርሃነይ ኪኸውን እዩ።
ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣
ጽድቁ ኽርኢ እየ።
ኣዒንተይ ኪርእያኣ እየን።
ሕጂ ኸም ጭቃ ጐደና ኽትርገጽ እያ።
11 እታ መካበብያ ዚህነጸላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣
በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ዶብ ኪሰፍሕ እዩ።*
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ኣሶርን ከተማታት ግብጽን፡
ካብ ግብጺ ኽሳብ መገዲ እቲ ፈለግ፡*
ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ ካብ ከረን እውን ክሳብ ከረን+
ናባኻ ኺመጹ እዮም።
13 እታ ምድሪ ብሰሪ ነበርታ፡
ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ* ኽትባድም እያ።
ከምቲ ናይ ቀደም፡ ኣብ ባሳንን ጊልዓድን+ ይብልዑ።
15 “ከምተን ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልትታት፡
ዜደንቕ ነገራት ኬርእዮ እየ።+
16 ኣህዛብ ምስ ኵሉ ሓይሎም ኪርእዩን ኪሓፍሩን እዮም።+
ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ እዮም፣
ኣእዛኖም ድማ ጸማማት ኪዀና እየን።
17 ከም ኣትማን ሓመድ ኪልሕሱ፡+
ከም ለመምታ ምድሪ ኸኣ ካብ ዕርዶም ራዕራዕ እናበሉ ኺወጹ እዮም።
እናረዓዱ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ኺመጹ፡
ንዓኻ እውን ኪፈርሁኻ እዮም።”+
ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ እዩ ደስ ዚብሎ እሞ፡+
ቍጥዓኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን እዩ።
19 መሊሱ ኺምሕረና፡+ ንስሕተትና ኸኣ ኪስዕሮ* እዩ።
ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽትድርብዮ ኢኻ።+