እዮብ
1 ኣብ ምድሪ ዑጽ፡ እዮብ* ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።+ ንሱ ንጹህን* ቅኑዕን ሰብኣይ ነበረ፣+ ንኣምላኽ ይፈርህን ካብ ክፉእ ይርሕቕን ነበረ።+ 2 ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ተወልዱሉ። 3 ብዝሒ ማሉ ድማ፡ 7,000 በጊዕ፡ 3,000 ገመል፡ 500 ጽምዲ ብዕራይ፡ 500 ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበረ፣ ብዙሓት ገላዉ እውን ነበርዎ፣ ስለዚ፡ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝዓበየ ነበረ።
4 እቶም ደቁ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመዓልቶም* ኣብ በቤቶም ድግስ ይገብሩ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ድማ፡ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን ይዕድምወን ነበሩ። 5 ብተኸታታሊ ድግስ ዚገብሩለን መዓልትታት መምስ ተወድኣ፡ እዮብ ንምቕዳሶም ይልእከሎም ነበረ። ንግሆ ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ፡ ምእንቲ ነፍሲ ወከፎም ዚሓርር መስዋእቲ የቕርብ ነበረ።+ ከመይሲ፡ እዮብ፡ “ምናልባት ደቀይ ሓጢኦምን ብልቦም ንኣምላኽ ረጊሞምን ይዀኑ” ይብል ነበረ። እዮብ ወትሩ ኸምኡ ይገብር ነበረ።+
6 እታ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ*+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቘሙላ መዓልቲ ኸኣ መጸት፣+ ሰይጣን+ እውን ኣብ መንጎኦም ኣተወ።+
7 ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ሰይጣን ድማ ንየሆዋ፡ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጺአ” ኢሉ መለሰሉ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሰይጣን፡ “ንጊልያይ እዮብ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን። ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን* ቅኑዕን ሰብ እዩ”+ በሎ። 9 ሰይጣን ድማ ንየሆዋ፡ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧+ 10 ንስኻ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ቤቱን ኣብ ዙርያ ዘለዎ ዅሉንዶ ዜዕቍቦ ሓጹር ጌርካሉ የለኻን፧+ ንተግባር ኣእዳዉ ባሪኽካዮ፡+ ማሉ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ኣስፋሕፊሐን ኣለዋ። 11 ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዘለዎ ዅሉ ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 12 ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “እንሆ፡ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ* እዩ። ሓንትስ ኢድካ ኣንጻሩ ኣይትዘርግሕ!” በሎ። ሰይጣን ከኣ፡ ካብ ቅድሚ* የሆዋ ወጸ።+
13 በታ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ዚበልዑላን ዚሰትዩላን ዝነበሩ መዓልቲ ድማ፡+ 14 ሓደ ልኡኽ ናብ እዮብ መጺኡ፡ “እቶም ኣብዑር ይሓርሱ፡ እተን ኣእዱግ ከኣ ኣብ ጥቓኦም ይበልዓ ነይረን፣ 15 ሽዑ፡ ሳባውያን ወሪሮም ወሲዶምወን፣ ነቶም ገላዉ ድማ ብሰይፊ ቐቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ።
16 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ “ሓዊ ኣምላኽ* ካብ ሰማያት ወሪዱ ነተን ኣባጊዕን ነቶም ገላዉን ኣንዲድዎምን በሊዕዎምን! ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ።
17 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ ድማ፡ ካልእ መጺኡ፡ “ከለዳውያን፡+ ሰለስተ ጭፍራ ዀይኖም ነተን ኣግማል ወሪሮም ወሲዶምወን፣ ነቶም ገላዉ ኸኣ ብሰይፊ ቐቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ።
18 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ “ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነይሮም። 19 ብሃንደበት ብርቱዕ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት ብኣርባዕተ መኣዝና ወቒዕዋ፣ ንሳ ድማ ኣብቶም ደቂ ወዲቓ፣ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ።
20 ሽዑ፡ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፡ ጸጕሪ ርእሱ ድማ ቈረጸ። ናብ ምድሪ ተደፊኡ ኸኣ ሰገደ፣ 21 ከምዚ ድማ በለ፦
“ጥራየይ እየ ኻብ ማሕጸን ኣደይ ወጺአ፡
ጥራየይ ድማ ክምለስ እየ።+
የሆዋ ሂቡ፡+ የሆዋ ኸኣ ወሲዱ።
ስም የሆዋ ይወደስ።”
22 በዚ ዅሉ፡ እዮብ ኣይሓጥአን፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዝበደለ ገይሩ ኣይከሰሶን።*