91 ኣብ ስቱር ቦታ እቲ ልዑል ዚቕመጥ፡+
ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድር።+
2 ንየሆዋ፡ “መዕቈብየይን ዕርደይን+
ዝውከሎ ኣምላኸይን ኢኻ” ኽብሎ እየ።+
3 ንሱስ ካብ መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡
ካብ ዜጥፍእ ለበዳ ኼናግፈካ እዩ።
4 ብመንገብገቡ ኺጋርደካ፡
ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ።+
ተኣማንነቱ+ ኸም ዓብዪ ዋልታን+ ዕርድን እዩ።
5 ሽበራታት ለይቲ ዀነ፡+
ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ ኣይክትፈርህን ኢኻ።+
6 ብድነ ዚቃጾ ለበዳ ዀነ፡
ብቐትሪ ዜጽንት ጥፍኣት ኣይክትፈርህን ኢኻ።
7 ኣብ ጐድንኻ ሽሕ፡
ኣብ የማንካ እውን ዓሰርተ ሽሕ ኪወድቁ እዮም፣
ናባኻ ግና ኣይኪቐርብን እዩ።+
8 ብኣዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡
መቕጻዕቲ እኩያት እውን ክትርኢ ኢኻ።
9 “የሆዋ መዕቈብየይ እዩ” ስለ ዝበልካ፡
ነቲ ልዑል መንበሪኻ ጌርካዮ ኢኻ፣+
10 ጥፍኣት ኣይኪረኽበካን እዩ፣+
መዓት እውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።
11 ብዅሉ መገድታትካ ኺሕልዉኻስ፡+
ንመላእኽቱ+ ኺእዝዘልካ እዩ።
12 እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡+
ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።+
13 ኣብ ልዕሊ ዘይባጽሐ ኣንበሳን መንደላይ ተመንን ክትከይድ፡
ሽደን ኣንበሳን ዓብዪ ተመንን ድማ ክትረግጽ ኢኻ።+
14 ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ፦ “ስለ ዚፈትወኒ፡ ከናግፎ እየ።+
ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡ ከዕቍቦ እየ።+
15 ኪጽውዓኒ፡ ኣነ እውን ክምልሰሉ፡+
ብግዜ ጭንቂ ምስኡ ክኸውን፡+
ከናግፎን ከኽብሮን እየ።
16 ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡+
ግብርታት ድሕነተይ ከኣ ከርእዮ እየ።”+