ናሆም
1 ኣንጻር ነነዌ+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ መጽሓፍ ራእይ ናሆም* እቲ ኣልቆሻዊ፦
የሆዋ ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ሕነ ይፈዲ፡
ንጸላእቱ ኸኣ ነድሩ ይዓቝረሎም።
መገዱ ኸኣ ዜጥፍእ ንፋስን ህቦብላን እዩ፣
ደበናታት ድማ ደሮና ኣእጋሩ እዩ።+
ባሳንን ቀርሜሎስን ይጽምሉ፣+
ዕምባባታት ሊባኖስ እውን ይጽምሉ።
ኣብ ምድሪ ብሰንኪ ገጹ ህውከት ይኸውን፣
ኣብ ዓለምን ኣብ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዚነብሩን እውን ከምኡ።+
6 ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ መን ደው ኪብል ይኽእል፧+
ንረስኒ ዅራኡኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+
ነድሩ ኸም ሓዊ ኺክዖ እዩ፣
ኣኻውሕ ድማ ብሰንኩ ኺሰባበሩ እዮም።
7 የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብመዓልቲ ጭንቂ ዕርዲ እዩ።+
8 ንቦታኣ* ብዚድምስስ ውሒዝ ጠሪሱ ኼጽንቶ እዩ፣
ጸልማት ከኣ ንጸላእቱ ኺስዕቦም እዩ።
9 ኣንጻር የሆዋስ እንታይ ውዲት ክትኣልሙ ኢኹም፧
ንሱስ ጠሪሱ የጽንት ኣሎ።
ጭንቂ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪልዓልን እዩ።+
11 ንየሆዋ ውዲት ዚኣልመሉ፡
ዘይጠቅም ምኽሪ ኸኣ ዚመኽረሉ ኻባኻ ኺወጽእ እዩ።
12 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ሓይሊ ዝመልኦምን ብዙሓትን እኳ እንተ ነበሩ፡
ኪቝረጹን ኪሓልፉን* እዮም።
ኣነስ ገፊዐካ* እየ፣ ደጊም ግና ኣይክገፍዓካን እየ።
13 ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ኻባኻ ኽሰብር፡+
መእሰሪታትካ ኸኣ ክበትኽ እየ።
‘ስምካ ደጊም ኣይኪቕጽልን እዩ።
ጽሩብ ምስልታትን ፍሱስ ምስልታትን ካብ ቤት* ኣማልኽትኻ ኸጥፍእ እየ።
ንዑቕ ኢኻ እሞ፡ መቓብር ክገብረልካ እየ።’
15 እንሆ፡ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፡
ሰላም ከኣ ዚእውጅ ኣብ ኣኽራን ኣሎ።+
ደጊምሲ እቲ ዘይጠቅም ብኣኻ ኣይኪሓልፍን እዩ እሞ፡
ኣታ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡+ መብጽዓታትካ ፈጽም።
ንሱስ ጠሪሱ ኺጠፍእ እዩ።”