ሉቃስ
14 ሓደ እዋን፡ ብሰንበት ናብ ቤት ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ኪበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይከታተልዎ ነበሩ። 2 እንሆ ኸኣ፡ ኣካላቱ ዝሓበጠ* ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3 የሱስ ነቶም ፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ “ብሰንበት ምሕዋይሲ ተፈቒዱ ድዩ ኣይፋልን፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 4 ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ሒዙ ኣሕወዮ፡ ሰደዶ እውን። 5 “ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዒላ እንተ ወዲቑ፡+ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧” ድማ በሎም።+ 6 ነዚ ኸኣ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን።
7 እቶም ዕዱማት ምርኡይ ቦታ ይሓርዩ ኸም ዘለዉ ምስ ረኣየ ድማ፡+ ከምዚ ኢሉ ምሳሌ መሰለሎም፦ 8 “ሓደ ናብ መርዓ ምስ ዚዕድመካ፡ ኣብ ምርኡይ ቦታ ኣይትቀመጥ።+ ምናልባት ካባኻ ዚኸብር ዓዲሙ እንተ ኣልዩ፡ 9 እቲ ንኽልቴኹም ዝዓደመኩም መጺኡ፡ ‘እዛ ቦታ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ’ ኺብለካ እዩ። ሽዑ፡ እናሓፈርካ ናብታ ዝተሓተት ቦታ ኽትወርድ ትጅምር። 10 ግናኸ፡ ምስ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ‘ዓርከይ፡ ናብ ዝለዓለ ኺድ’ ምእንቲ ኺብለካ፡ ኬድካ ኣብታ ዝተሓተት ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መተዓድምትኻ ኽትከብር ኢኻ።+ 11 ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ከኣ ኪልዕል እዩ።”+
12 ነቲ ዝዓደሞ ሰብኣይ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር ምስ እትገብር፡ ኣዕሩኽካ፡ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትዓድም። እንተ ዘይኰነስ፡ መሊሶም እንተ ዓዲሞምኻ፡ ክትፍደ ኢኻ። 13 ድግስ ምስ እትገብርሲ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ዓድም፣+ 14 ዚፈድዩኻ ስለ ዘይብሎም፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ከመይሲ፡ ብትንሳኤ ጻድቃን ክትፍደ ኢኻ።”+
15 ሓደ ኻብቶም መተዓድምቱ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበልዕ* ሕጉስ እዩ” በሎ።
16 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፣+ ንብዙሓት እውን ዓደመ። 17 ሰዓት ድራር ምስ ኣኸለ ድማ፡ ነቶም ዕዱማት፡ ‘ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ’ ኺብሎም ባርያኡ ለኣኸ። 18 ኵላቶም ግና ተመሳሳሊ መመኽነይታ ኬቕርቡ ጀመሩ።+ እቲ ቐዳማይ፡ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ፡ ወፊረ ኽርእያ ድማ ኣሎኒ፣ ከተመኻንየለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። 19 ካልእ ከኣ፡ ‘ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፡ ክፍትኖም ከኣ ክኸይድ እየ፣ ከተመኻንየለይ እልምነካ ኣለኹ’ በለ።+ 20 ካልእ ድማ፡ ‘ተመርዕየ ኣለኹ፣ ስለዚ፡ ክመጽእ ኣይክእልን እየ’ በለ። 21 እቲ ባርያ መጺኡ፡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ፡ እቲ ብዓል ቤት ተቘጢዑ፡ ንባርያኡ፡ ‘ናብ ጐደናታትን መተሓላለፊታትን ከተማ ቐልጢፍካ ውጻእ፣ ድኻታትን ቈራያትን ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብዚ ኣእቱ’ በሎ። 22 ደሓር እቲ ባርያ፡ ‘ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ገና ድማ ቦታ ኣሎ’ በሎ። 23 እቲ ጐይታ ኸኣ ነቲ ባርያ፡ ‘ናብ ጐደናታትን ናብ መገድታትን ውጻእ እሞ፡ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ግዲ በሎም።+ 24 ካብቶም ተዓዲሞም ዝነበሩ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ’ በሎ።”+
25 ብዙሓት ህዝቢ ድማ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ፣ ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ኸምዚ በሎም፦ 26 “ናባይ ዚመጽእ እንተ ኣልዩ እሞ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱ* እውን ከይተረፈት እንተ ዘይጸሊኡ፡*+ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።+ 27 ጕንዲ ስቅያቱ* ጾይሩ ዘይስዕበኒ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።+ 28 መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧ 29 እንተ ዘይኰነስ፡ መሰረት ሰሪቱ፡ ምውዳኡ ይስእን ይኸውን፣ ዝረኣይዎ ዘበሉ ኸኣ፡ ከምዚ እናበሉ ኼላግጹሉ ይጅምሩ፦ 30 ‘እዚ ሰብኣይ እዚ ምህናጽ ጀሚሩስ፡ ምውዳኡ ስኢኑ።’ 31 ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ፡ ነቲ ብ20,000 ዚመጾስ ብ10,000 ወተሃደራት ኪገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይመክር፧ 32 እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓደ ገና ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። 33 ከምኡ ድማ፡ ዋላ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ኵሉ ንብረቱ ኸይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።+
34 “ጨውሲ ጽቡቕ እዩ። ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብምንታይ ይምቅር፧+ 35 ናብ ወጻኢ ይድርብይዎ እምበር፡ ንመሬት ኰነ ንድዅዒ ኣይጠቅምን እዩ። ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”+