ዘዳግም
18 “ሌዋውያን ካህናት፡ ብዘሎ ነገድ ሌዊ እውን፡ ምስ እስራኤል ግደ ወይ ርስቲ ኣይኪውሃቦምን እዩ። ካብቲ ርስቱ ዝዀነ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኺበልዑ እዮም።+ 2 ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከኣ ርስቲ ኣይሃልዎም። ከምቲ ንሱ እተዛረቦም፡ ርስቶም የሆዋ እዩ።
3 “ካብቲ ህዝቢ ንኻህናት ዚግባእ እዚ ይኹን፦ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ዚስውእ፡ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን ንኻህን ይሃብ። 4 በዅሪ እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ዝቐምቀምካዮ ጸምሪ መጓሰኻን ንዕኡ ሃቦ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም ነገዳትካ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ ብስም የሆዋ ኼገልግሉ ሓርይዎም ኣሎ።+
6 “ሓደ ሌዋዊ ኻብ ሓንቲ ዚነብረላ ዝነበረ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማታትካ እንተ ወጺኡ፡+ ናብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ* ድማ ኪኸይድ እንተ ደልዩ፡*+ 7 ከምቶም ኣብኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቘሙ ኣሕዋቱ ሌዋውያን፡ ብስም የሆዋ ኣምላኹ የገልግል።+ 8 ኣብ ልዕሊ እቲ ርስቲ ኣቦታቱ ብምሻጥ ዝረኸቦ ኸኣ፡ ማዕሪኦም ምግቢ ይመቐል።+
9 “ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ፍንፉን ተግባራት እቶም ኣህዛብ እቲኦም ክትገብር ኣይትመሃር።+ 10 ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ፡+ ወይ ዚጥንቍል፡+ ወይ ስሒር ዚገብር፡+ ወይ ፋል ዚደሊ፡+ ወይ ኣስማተኛ፡+ 11 ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡+ ወይ ጠንቋሊ፡+ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ+ ኣባኻ ኣይረኸብ። 12 እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ ብሰሪ እዚ ፍንፉን ተግባራት እዚ ድማ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ይሰጕጎም ኣሎ። 13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ መንቅብ ዘይብልካ ኹን።+
14 “እቶም እተልቅቖም ዘለኻ ኣህዛብሲ ነቶም ስሒር ዚገብሩን+ ዚጥንቍሉን+ ይሰምዕዎም ነበሩ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ግና ከምዚ ዝበለ ኽትገብር ኣይፈቐደልካን። 15 የሆዋ ኣምላኽካ ኸማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትካ ኼተንስኣልካ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ።+ 16 እዚ ኸም ምላሽ እቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼባ፡*+ ‘ከይመውትሲ፡ ደጊም ድምጺ የሆዋ ኣምላኸይ ኣይስማዕ፡ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ እውን ኣይርአ’ ኢልካ ኻብ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሓተትካዮ እዩ።+ 17 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ። 18 ከማኻ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፣+ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡+ ንሱ ድማ ዝኣዘዝክዎ ዅሉ ኺዛረቦም እዩ።+ 19 ነቲ ንሱ ብስመይ ዚዛረቦ ቓለይ ዘይሰምዕ ዘበለ ሰብ፡ ኣብ ቅድመይ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።+
20 “‘ዝዀነ ነብዪ ኺዛረቦ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ብስመይ ደፊሩ እንተ ተዛሪቡ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ እንተ ተዛሪቡ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት።+ 21 ብልብኻ ግና፡ “ነቲ ቓል፡ የሆዋ ኸም ዘይተዛረቦ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧” ትብል ትኸውን። 22 እቲ ነብዪ ብስም የሆዋ ምስ ተዛረበ፡ እቲ ቓል እንተ ዘይኰይኑ ወይ እንተ ዘይተፈጺሙ፡ የሆዋ ነቲ ቓል እቲ ኣይተዛረቦን። እቲ ነብዪ እዩ ብድፍረት ተዛሪብዎ፡ ኣይትፍርሃዮ።’