እዮብ
42 ሽዑ፡ እዮብ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦
3 ‘ንምኽረይ ብዘይ ፍልጠት ዜጸልምቶ እዚ መን እዩ፧’ ኢልካ።+
ስለዚ፡ ኣነ ንዘይተረዳእክዎ፡
እምብዛ ንዜደንቐኒ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ።+
4 ‘በጃኻ ስምዓኒ እሞ፡ ክዛረበካ።
ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ’ ኢልካ።+
5 ኣእዛነይ ብዛዕባኻ ሰሚዐን ነይረን፣
ሕጂ ግና ብኣዒንተይ ርእየካ።
7 የሆዋ ንእዮብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ የሆዋ ንኤሊፋዝ እቲ ቴማናዊ ኸምዚ በሎ፦
“ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ሓቂ ስለ ዘይተዛረብኩም፡+ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኽልተ ብጾትካን+ ቍጥዓይ ነዲዱ ኣሎ። 8 ሕጂ ድማ፡ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ወሲድኩም ናብ ጊልያይ እዮብ ኪዱ፣ ምእንቲ ርእስኹም ከኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕርቡ፣ ጊልያይ እዮብ እውን ኪጽልየልኩም እዩ።+ ከምቲ ጊልያይ እዮብ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ሓቂ ኣይተዛረብኩምን እሞ፡ ከምቲ ዕሽነትኩም ከይገብረኩምሲ፡ ንልማኖኡ ብርግጽ ክቕበሎ እየ።”*
9 ሽዑ፡ ኤሊፋዝ እቲ ቴማናውን ቢልዳድ እቲ ሹሓውን ሶፋር እቲ ናዓማውን ከይዶም ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ገበሩ። የሆዋ ድማ ንጸሎት እዮብ ተቐበሎ።
10 እዮብ ምእንቲ ብጾቱ ምስ ጸለየ፡+ የሆዋ ንጸበባ እዮብ ኣርሓቖ፡+ ንብልጽግናኡ እውን መለሶ።* የሆዋ ኸኣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ፡ ዕጽፊ ገይሩ ሃቦ።+ 11 ኵሎም ኣሕዋቱን ኵለን ኣሓቱን ኵሎም ናይ ቀደም ፈተውቱን+ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ። ብዅሉ እቲ የሆዋ ኺወርዶ ዝፈቐዶ መዓት ድማ ደንገጹሉን ኣጸናንዕዎን። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ሓሓንቲ ቀሲጣን* ሓሓንቲ ቐለቤትን ሃብዎ።
12 የሆዋ ድማ ነቲ ዳሕራይ ክፋል ህይወት እዮብ ካብቲ ቐዳማዩ ኣብሊጹ ባረኾ፣+ እዮብ ከኣ፡ 14,000 በጊዕ፡ 6,000 ገመል፡ 1,000 ጽምዲ ብዕራይ፡ 1,000 ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ።+ 13 ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ድማ ነበርዎ።+ 14 ነታ ቐዳመይቲ ጓሉ ይሚማ፡ ነታ ኻልአይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ኸኣ ቄርን-ሃጱኽ ኢሉ ሰመየን። 15 ኣብ ኵላ እታ ምድሪ፡ ማዕረ ኣዋልድ እዮብ መልክዐኛታት ዝዀና ኣንስቲ ኣይነበራን፣ ኣቦአን ድማ ምስ ኣሕዋተን ርስቲ ሃበን።
16 ድሕርዚ፡ እዮብ 140 ዓመት ብህይወት ጸንሐ፣ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ። 17 እዮብ ድማ ኣሪጉን ዕድመ* ጸጊቡን ሞተ።