ዮሃንስ
10 “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ደኣ ዚሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።+ 2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።+ 3 እቲ ሓላው ማዕጾ ንዕኡ ይኸፍተሉ፣+ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ይሰምዓ።+ ንኣባጊዑ ኸኣ ብስመን ጸዊዑ የውጽአን። 4 ንዅላተን ምስ ኣውጽአን፡ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ስለ ዜለልያ፡ ይስዕባኦ። 5 ድምጺ ጓና ስለ ዘይፈልጣ፡ ካብኡ ይሃድማ እምበር፡ ንጓናስ ከቶ ኣይስዕባኦን እየን።” 6 የሱስ እዚ ምሳሌ እዚ መሰለሎም፣ ንሳቶም ግና ነቲ ዚዛረቦም ዝነበረ ኣይተረድእዎን።
7 ሽዑ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ።+ 8 ኵሎም እቶም ንዓይ መሲሎም ዚመጹ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፣ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን። 9 እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፣ ብኣይ ዚኣቱ ዘበለ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን፡ መጓሰዪ እውን ኪረክብ እዩ።+ 10 ሰራቒ ኺሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይመጽእን እዩ።+ ኣነ ግና፡ ንሳተን ህይወት ምስ ተረፋ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣+ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ* ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ይህባ።+ 12 እቲ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕ እውን ናቱ ዘይኰና ዕሱብ ግና፡ ተዅላ ኺመጽእ ርእዩ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሃድም፣ እቲ ተዅላ ድማ ይምንዝዐንን ፋሕ የብለንን። 13 ምኽንያቱ፡ ዕሱብ እዩ፡ ግዲ እተን ኣባጊዕ እውን የብሉን። 14 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ንኣባጊዐይ እፈልጠን፡ ኣባጊዐይ እውን ይፈልጣኒ እየን፣+ 15 እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነ እውን ንኣቦ ዝፈልጦ እዩ፣+ ንህይወተይ* ከኣ ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፈ እህባ እየ።+
16 “ካብዚ ደምበ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ፣+ ንዓታተን ድማ ከምጽአን ኣሎኒ፡ ድምጸይ እውን ኪሰምዓ እየን፣ ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፡ ጓሳአን እውን ሓደ።+ 17 ኣነ ንህይወተይ* መሊሰ ምእንቲ ኽረኽባ፡ ኣሕሊፈ ስለ ዝህባ፡+ ስለዚ እዩ ኣቦ ዜፍቅረኒ።+ 18 ባዕለይ እየ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። ኣሕሊፈ ኽህባ ስልጣን ኣሎኒ፣ መሊሰ ኽረኽባ እውን ስልጣን ኣሎኒ።+ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ ተቐቢለያ።”
19 ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ፍልልይ ኰነ።+ 20 ብዙሓት ካባታቶም፡ “ጋኔን ኣለዎ፡ ጽሉል ከኣ እዩ። ስለምንታይ ትሰምዕዎ ኣለኹም፧” ይብሉ ነበሩ። 21 ካልኦት ግና፡ “እዚ፡ ዘረባ ጋኔን ዝሓዞ ሰብ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይኽእል እዩ፧” በሉ።
22 ሽዑ፡ ኣብ የሩሳሌም በዓል ወፈያ ዀነ። ክረምቲ ኸኣ ነበረ፣ 23 የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይኸይድ ነበረ።+ 24 ሽዑ፡ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሰንፈላል ክትገብረና፧* ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ብግልጺ ንገረና” በልዎ። 25 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ነጊረኩምሲ፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እቲ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ብዛዕባይ ይምስክር እዩ።+ 26 ንስኻትኩም ግና፡ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም።+ 27 ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ እፈልጠን፡ ንሳተን እውን ይስዕባኒ እየን።+ 28 ኣነ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፡+ ንዘለኣለም ድማ ከቶ ኣይኪጠፍኣን እየን፣ ካብ ኢደይ ዚምንዝዐን እውን የልቦን።+ 29 እቲ ኣቦይ ዝሃበኒ፡ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ፣ ካብ ኢድ ኣቦ ኺምንዝዐን ዚኽእል ከኣ የልቦን።+ 30 ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።”*+
31 ሽዑ፡ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ፡ ከም ብሓድሽ ኣእማን ኣልዓሉ። 32 የሱስ ከኣ፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርእየኩም እየ። ስለ ኣየኖት ግብርታት ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ፧” በሎም። 33 ኣይሁድ ድማ፡ “ስለ እተጻረፍካ፡+ ሰብ ክነስኻ፡ ርእስኻ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ እምበር፡ ስለቲ ሰናይ ግብርኻስ ኣይኰንናን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ” ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣብ ሕግኹም፡ ‘ኣነ፡ “ኣማልኽቲ* ኢኹም” ኢለ’ ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን፧+ 35 ነቶም ኣንጻሮም ቃል ኣምላኽ ዝመጾም፡ ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ ዚብሎም፡+—ቅዱስ ጽሑፍ ከኣ ኪፈርስ ዘይክእል ካብ ኰነ፡— 36 ንዓይ፡ ኣቦ ንዝቐደሰኒ፡ ናብ ዓለም እውን ንዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’ ስለ ዝበልኩዶ፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም፧+ 37 ግብርታት ኣቦይ እገብር እንተ ዘየለኹ፡ ኣይትእመኑኒ። 38 እገብር እንተ ኣለኹ ግና፡ ኣቦ ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎን ኣነ ምስ ኣቦ ሓድነት ከም ዘሎንን ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትግንዘቡንሲ፡+ ንዓይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብርታት እመንዎ።”+ 39 ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ኪሕዝዎ ፈተኑ፣ ንሱ ግና ካብ ኢዶም ኣምለጠ።
40 ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ዜጥምቐላ ዝነበረ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እትርከብ ቦታ ኸደ፣+ ኣብኣ እውን ጸንሐ። 41 ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፡ “ዮሃንስ ሓንቲ ትእምርቲ እኳ ኣይገበረን፣ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ እተዛረቦ ዅሉ ግና፡ ሓቂ እዩ” በሉ።+ 42 ኣብኣ እውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።