ኢሳይያስ
64 ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ኼንቀጥቅጡስ፡
ሰማያት ጨንዲሕካ እባ እንተ ትወርድ!
2 ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡
ሓዊ ድማ ንማይ ከም ዜፍልሖ፡
ሽዑ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምተፈልጠ፡
ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ምበሉ!
5 ነቶም ተሓጒሶም ቅኑዕ ዚገብሩ፡+
ነቶም ዚዝክሩኻን መገድታትካ ዚስዕቡን ተቐበልካዮም።
እንሆ፡ ክንሓጥእ ከለና፡ ተቘጣዕካ፣+
ንነዊሕ ግዜ ኸምኡ ገበርና።
ሕጅስ ክንድሕንዶ ይግብኣና እዩ፧
ኵላትና ኸም ቈጽሊ ኽንጽምሉ ኢና፣
ስሕተትና ድማ ከም ንፋስ ኪወስደና እዩ።
9 ኦ የሆዋ፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፣+
ስሕተትና ንዘለኣለም ኣይትዘክር።
ኵላትና ህዝብኻ ኢና እሞ፡ በጃኻ ተመልከተና።
10 እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን ኣለዋ።
ጽዮን በረኻ ዀይና ኣላ።
የሩሳሌም ባዲማ ኣላ።+
12 ኣብዚ ዅሉስ፡ ኦ የሆዋ፡ ንርእስኻዶ ኽትገትእ ኢኻ፧
ስቕዶ ኽትብል ኢኻ፧ እምብዛ ኽንውጻዕዶኸ ኽትሓድገና ኢኻ፧+