ምሳሌ
25 እዚኣተን፡ ሰብ ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ዝቐድሕወን* ምስላታት ሰሎሞን+ እየን፦
3 ከምቲ ሰማያት ላዕሊ፡ ምድሪ ድማ ታሕቲ ዝዀነ፡
ልቢ ነገስታት ድማ ዘይምርመር እዩ።
4 ንብሩር ሓተላኡ ኣወግደሉ እሞ፡
ምሉእ ብምሉእ ጸርዩ ኺወጽእ እዩ።+
5 ካብ ቅድሚ ንጉስ ንእኩይ ኣወግዶ እሞ፡
ዝፋኑ ብጽድቂ ኺጸንዕ እዩ።+
7 ኣብ ቅድሚ ልዑል ካብ እትዋረድሲ፡
ንሱ፡ “ናብዚ ደይብ” እንተ በለካ ይሓይሽ።+
8 ናብ ነገር ኣይትተሃወኽ፣
እንተ ዘይኰነስ፡ ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ደሓር እንታይ ክትገብር ኢኻ፧+
10 ዝሰምዐ ድማ ኣይኬሕፍረካን እዩ፣
ኪምለስ ዘይክእል ክፉእ ወረ እውን ኣይክትዝርግሕን ኢኻ።
15 ኣዛዚ ብትዕግስቲ ይስነፍ፣
ልእምቲ ልሳን ድማ ዓጽሚ ትሰብር።+
16 መዓር እንተ ረኺብካ፡ ዜድልየካ ጥራይ ብላዕ፣
እምብዛ እንተ ኣብዚሕካዮ፡ ክትተፍኦ ኢኻ።+
17 ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይጸልኣካስ፡
ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተብዝሕ።
18 እቲ ኣብ ብጻዩ ብሓሶት ዚምስክርሲ፡
ከም ሻፎን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።+
19 ብግዜ ጭንቂ ኣብ ዘየተኣማምን* ሰብ ዘሎ እምንቶስ፡
ከም ሸራፍ ስንን ዘይጽኑዕ እግርን እዩ።
23 ንፋስ ሰሜን ብርቱዕ ዝናም የምጽእ፣
ወረኛ ልሳን ድማ ቍጡዕ ገጽ ተምጽእ።+
26 ኣብ ቅድሚ እኩይ ዚምብርከኽ* ጻድቕሲ፡
ከም እተዘርገት ዓይኒ ማይን ከም እተበላሸወት ዒላን እዩ።