ሚክያስ
ፍትሒ ዘበለስ ክትፈልጡዶ ኣይግብኣኩምን፧
4 ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣
ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ።
በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡
ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።+
5 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዜስሕቱ ዘለዉ፡+
ብኣስናኖም እናነኸሱ፡*+ ‘ሰላም!’ ኢሎም ዚእውጁ፡+
ናብ ኣፎም ገለ እኳ ንዘየዀለሰ ግና ውግእ ዚእውጁ* ነብያት ከምዚ ይብል፦
ጸሓይ ኣብ ነብያት ክትዓርብ፡
መዓልቲ ኸኣ ክትጽልምቶም እያ።+
ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፡
ኵላቶም ጭሕሞም* ኪኸድኑ እዮም።’”
8 ኣነ ኸኣ ንያእቆብ በደሉ፡ ንእስራኤል ድማ ሓጢኣቱ ኽነግሮስ፡
ብመንፈስ የሆዋ ሓይልን
ፍትሕን ብርታዐን ተመሊአ ኣለኹ።
9 ኣቱም ርእስታት ቤት ያእቆብ፡
ኣቱም ኣዘዝቲ ቤት እስራኤል፡+ በጃኹም እዚ ስምዑ፣
ንስኻትኩም ፍትሒ ትፍንፍኑ፡ ንዅሉ ቕኑዕ ከኣ ተቕንኑ፣+
10 ንጽዮን ብምፍሳስ ደም፡ ንየሩሳሌም ድማ ብዓመጻ ትሃንጹ።+
ግናኸ፡ “የሆዋስ ምሳና ደይኰነን፧+