ንዘለኣለም ብስም የሆዋ ኽንመላለስ ኢና!
“ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።” —ሚክያስ 4:5
1. ኣብ ሚክያስ ምዕራፍ 3 ክሳዕ 5 እንታይ መልእኽትታት እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
የሆዋ ንህዝቡ ሓደ ነገር ክነግሮም ስለ ዝደለየ: ንሚክያስ ከም ነብዪ ገይሩ ተጠቕመሉ። ንኣበሰኛታት ስጕምቲ ንምውሳድ ዕላማ ነበሮ። ንእስራኤል ብሰንኪ ኣምልኾ ጣኦት ክቐጽዓ መዲቡ ነይሩ። እቲ ዘሐጕስ ግን ነቶም ብስሙ እተመላለሱ ኽባርኾም መዲቡ ነበረ። እዚ መልእኽትታት እዚ ኣብ ትንቢት ሚክያስ ምዕራፍ 3 ክሳዕ 5 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
2, 3. (ሀ) መራሕቲ እስራኤል እንታይ ባህሪ እዮም ከንጸባርቑ ዝነበሮም: እንታይ ግን እዮም ዝገብሩ ዝነበሩ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ሚክያስ 3:2, 3 ዝርከብ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብኸመይ ትገልጾ፧
2 እቲ ነብዪ ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን: ስምዑ ዀታ፤ ፍርዲ ምፍላጥሲ ኣባኻትኩምዶ ኣይኰነን፧” እወ: ብርግጽ ኣባታቶም እዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን እንታይ እዮም ገይሮም፧ ሚክያስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ሰናይ እትጸልኡ: እከይ ከኣ እትፈትዉ: ቈርበቶም እትቐልጥዎም: ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም እተዋርዱ: ስጋ ህዝበይ ድማ እትበልዑ: ቈርበቶም እትቐልጥዎም: ዓጻጽምቶም እትሰብሩ: ከምቲ ኣብ ቍራዕ: ናብ ድስቲ ዚአቱ ስጋ እትቘራርጽዎ ኢኹም።”—ሚክያስ 3:1-3
3 እቶም ኣሕሉቕ ነቶም ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ሰባት ጨቊኖምዎም እዮም! እዚ ሚክያስ ተጠቒምሉ ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ: እቶም ሰማዕቱ ብቐሊሉ ዝርድእዎ እዩ ነይሩ። በጊዕ ተሓሪዳ ኣብ ድስቲ ቅድሚ ምእታዋ ትቕለጥን ትጐዛዘን እያ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣንጕዕ ምእንቲ ኽወጽእ እቲ ኣዕጽምቲ ይስበር። እቲ ስጋ ዀነ ኣዕጽምቲ ልክዕ ከምቲ ሚክያስ ዝገለጾ ኣብ ሓደ ዓብዪ ድስቲ ይስኽተት። (ህዝቅኤል 24:3-5, 10) እቶም እኩያት መራሕቲ ነቶም ህዝቢ ብኸመይ ይሕዝዎም ከም ዝነበሩ ብንጹር ምሳልያዊ መብርሂ እዩ ተገሊጹ።
የሆዋ ፍትሒ ኸነውጽእ እዩ ዝጽበየና
4. ኣብ መንጎ የሆዋን መራሕቲ እስራኤልን እንታይ ፍልልይ እዩ ዝነበረ፧
4 ኣብ መንጎ እቲ ፈቃር ጓሳ ዝዀነ የሆዋን እዞም ጨካናት መራሕቲ እስራኤልን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ። ፍትሒ ስለ ዘየውጽኡ: ነቲ መጓሰኦም ንምክንኻን ዝነበሮም ሓላፍነት ኣይፈጸምዎን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነተን ምሳልያዊ ኣባጊዕ ፍትሒ ምውጻእ ይኣብይወን: ከምቲ ኣብ ሚክያስ 3:10 ተገሊጹ ዘሎ ኸኣ ‘ብደመን’ ይሃንጹ ብምንባሮም ይምዝምዝወን እዮም ነይሮም። ካብዚ ዅነታት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧
5. የሆዋ ነቶም ኣብ ህዝቡ መሪሕነት ዝወስዱ እንታይ ክዀኑ እዩ ዝጽበዮም፧
5 ኣምላኽ ነቶም ኣብ ህዝቡ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት ፍትሒ ኽገብሩ እዩ ዝጽበዮም። ኣብዚ ግዜና ኣገልገልቲ የሆዋ ነዚ ይፍጽምዎ እዮም። ብተወሳኺውን እዚ ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 32:1 ዝርከብ ቃላት ይሰማማዕ እዩ፣ ኣብኡ ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ: መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም።” ብግዜ ሚክያስ ግን እቶም መራሕቲ ኸመይ ዝበሉ እዮም ነይሮም፧ ‘ሰናይ ዝጸልኡ: እከይ ከኣ ዝፈትዉ’ ብምንባሮም ፍትሒ ኻብ ምቕናን ድሕር ኣይብሉን እዮም ነይሮም።
ናይ መን ጸሎት እዩ መልሲ ዝረኸበ፧
6, 7. ኣብ ሚክያስ 3:4 እንታይ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧
6 እቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ሞገስ የሆዋ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣለዎምዶ፧ የብሎምን። ሚክያስ 3:4 ኸምዚ ትብል:- “ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም: ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ: ከምቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም: ገጹ ኻብኦም ኪሐብእ እዩ።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ እያ እተጕልሕ።
7 ካብ ሓጥእ መገድና ዘይንንሳሕ እንተደኣ ዄንና የሆዋ ንጸሎትና ምላሽ ኣይህበሉን እዩ። ብፍላይ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ ማለት ንኣምላኽ ብተኣማንነት እነገልግል እናመሰልና ኣበሳና ንሓብእ እንተደኣ ዄንና የሆዋ ኣይሰምዓናን እዩ። ዳዊት ኣብ መዝሙር 26:4 “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን: ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን” ኢሉ ዘመረ። ዳዊት እኳ ኸምዚ ኻብ ገበረ: የሆዋ ደኣኸ ንጸሎት ናይቶም ደይ መደይ ኢሎም ቃሉ ዝጥሕሱ ኸመይ ኢሉ እዩ ምላሽ ክህበሉ፧
ካብ መንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ዝረኸቡ
8. ነቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ነብያት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ እተዋህቦም፧
8 ገለ ኻብቶም መንፈሳውያን መራሕቲ እስራኤል ሕማቕ ተግባራት ብቐጻሊ ይገብሩ ነበሩ። ናይ ሓሶት ነብያት ንህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣንፈቶም የጥፍኡሎም ነበሩ። ስሱዓት ሰባት ነቲ ናብ ኣፎም ገለ ዘይህቦም ዘበለ ውግእ እናኣዳለዉ ኽነሶም “ሰላም” ኢሎም ይእውጁ ነበሩ። ስለዚ: የሆዋ ኸምዚ በሎም “ኣብ ክንዲ ራእይስ ለይቲ: ኣብ ክንዲ ጥንቈላ ኸኣ ጸልማት ኪዀነኩም እዩ። ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ነብያት ትዐርብ: መዓልቲ ድማ ትጽልምቶም። እቶም ራእይ ዚርእዩ ኺንውሩ: እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ኪሐንኩ እዮም: . . . ኵላቶም ጭሕሞም ኪኸድኑ እዮም።”—ሚክያስ 3:5-7
9, 10. ‘ጭሕሚ ምኽዳን’ ንምንታይ እዩ ዘመልክት: ሚክያስ ከምኡ ንኽገብር ምኽንያት ዘይነበሮኸ ስለምንታይ እዩ፧
9 ንምንታይ እዮም ‘ጭሕሞም ዝኸድኑ፧’ ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ብሰንኪ ዝወርዶም ሕፍረት እዮም ከምዚ ዝገብሩ። እዞም እኩያት እዚኣቶም ክሓፍሩ ይግብኦም እዩ። ዝሓተቱ እንተ ሓተቱ: “ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን።” (ሚክያስ 3:7) የሆዋ ብትዕቢት ንዝመላለሱ እኩያት ፈጺሙ ኣይሰምዖምን እዩ።
10 ሚክያስ ግን ‘ጭሕሙ ዝኸድነሉ’ ምኽንያት ኣይነበሮን። ከመይሲ ዘሕፍር ነገር የብሉን። የሆዋ ንጸሎቱ ይምልሰሉ እዩ። ኣብ ሚክያስ 3:8 እዚ እሙን ነብዪ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ንርአ:- “ኣነ ግና . . . ብመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍርድን ትብዓትን መሊኤ አሎኹ።” ሚክያስ ኣብቲ ብተኣማንነት ንነዊሕ ዓመታት ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ ‘ብመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይሊ’ ምርካቡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘማስወሉ! እዚ ኸኣ “ንያእቆብ በደሉ: ንእስራኤል ከኣ ሓጢኣቱ ኽነግሮ” ኣበርቲዕዎ እዩ።
11. ሰባት መልእኽቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ሓይሊ ዝረኽቡ ብኸመይ እዮም፧
11 ሚክያስ ነቲ ናይ ጥፍኣት ፍርድታት ኣምላኽ ንምእዋጅ ካብ ሰብኣዊ ሓይሊ ንላዕሊ የድልዮ ነበረ። መንፈስ የሆዋ ወይ መስለጢ ሓይሊ የድልዮ ነበረ። ንሕናኸ ሓይሊዶ የድልየና እዩ፧ ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ናይ ግድን የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ሓይሊ ኽህበና ኣለዎ። ኰነ ኢልና ሓጢኣት ንገብር እንተደኣ ዄንና: ንኽንሰብኽ እንገብሮ ጻዕሪ ዅሉ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሽል ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ዕዮኡ ንምፍጻም ኣምላኽ ንኸበራትዓና እነቕርቦ ጸሎት መልሲ ኣይረክብን እዩ። “መንፈስ እግዚኣብሄር” እንተ ዘይብልና: ነቲ ናይ ሰማያዊ ኣቦና ፍርድታት ክንእውጅ ኣይከኣለናን እዩ። ዝስማዕ ጸሎት እነቕርብ እንተ ዄንናን ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ እንተደኣ ሃልዩናን ግን ልክዕ ከም ሚክያስ ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ክንዛረብ ንኽእል ኢና።
12. እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ክዛረቡ’ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧
12 ምናልባት ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31 ዝርከብ ጸብጻብ ትዝክሮ ትኸውን። ንገዛእ ርእስኻ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ከም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቶም ጥሩፋት ሰጐጕቲ ኣፍ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምዕባስ ይጽዕሩ እዮም ነይሮም። እቶም እሙናት ግን ናብቲ ሉዓላዊ ጐይታኦም “ናብ ምፍርራሆም ርኤ: . . . ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ኢሎም ተማህለሉ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ምስ ለመኑ ኸኣ: እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ስፍራ ተናወጸት: ኵላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ: ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ። ንሕናውን ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽወሃበና ብጸሎት ንየሆዋ ንለምኖ።
13. ንየሩሳሌምን ሰማርያን እንታይ እዩ ኣጋጢምወን: ስለምንታይከ፧
13 ሕጂ ናብ ግዜ ሚክያስ ንመለስ። ብመሰረት ሚክያስ 3:9-12 እቶም ናይ ደም ገበነኛታት ዝነበሩ ገዛእቲ ብመማለጃ ይፈርዱ: እቶም ካህናት ብዋጋ ይምህሩ: እቶም ናይ ሓሶት ነብያት ከኣ ብገንዘብ ይንበዩ ነበሩ። ኣምላኽ እምበኣር እታ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ ዝነበረት የሩሳሌም “ኵምራ ኣእማን ክትከውን” ምዃና እንተ ገለጸ ኣየገርምን እዩ! ኣብ እስራኤልን ይሁዳን ናይ ሓሶት ኣምልኾን ስነ-ምግባራዊ ውድቀትን ኣስፋሕፊሑ ብምንባሩ: ኣምላኽ ንሰማርያ “ኵምራ እምኒ” ክገብራ ምዃኑ ሚክያስ መጠንቀቕታ ንኽህብ ብመንፈስ ተደረኸ። (ሚክያስ 1:6) ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ሰማርያ ብጭፍራታት ኣሶር ክትጠፍእ ከላ ሚክያስ ፍጻመ ናይቲ ትንቢቱ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። (2 ነገስት 17:5, 6፣ 25:1-21) እዚ ንየሩሳሌምን ሰማርያን ዝምልከት ሓያል መልእኽቲ ብሓይሊ የሆዋ ጥራይ ክእወጅ ከም ዝከኣል ንጹር እዩ።
14. እቲ ኣብ ሚክያስ 3:12 ተመዝጊቡ ዝርከብ ትንቢት ፍጻመኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ክትንክፈና ኣለዎ፧
14 ይሁዳ ኻብ ፍርዲ የሆዋ ፈጺማ ኣየምለጠትን። እቲ ኣብ ሚክያስ 3:12 ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢት ፍጻመኡ ኽረክብ ከሎ ድማ ጽዮን “ከም ግራት ክትሕረስ” ነበራ። ኣብ መበል 21 ዘመን ኴንና ኽንርእዮ ኸለና: ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን ጥፍኣት ምስ ኣውረዱ እዚ ትንቢት እዚ ፍጻመኡ ኸም ዝረኸበ ንፈልጥ ኢና። እዚ ዝዀነ ሚክያስ ድሕሪ ምንባዩ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ እዩ: እንተዀነ ግን ፍጻመኡ ኸም ዝረክብ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ንሕናውን እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ኣብቲ ብትንቢት እተነግረሉ “መዓልቲ ኣምላኽ” መወዳእታ ኸም ዝህልዎ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና።—2 ጴጥሮስ 3:11, 12
የሆዋ ኽዳንዮም እዩ
15. ነቲ ኣብ ሚክያስ 4:1-4 ተገሊጹ ዘሎ ትንቢት ብቓላትካ ከመይ ጌርካ ምገለጽካዮ፧
15 ሚክያስ ቀጺሉ ዘሐጕስ ተስፋ ዘለዎ መልእኽቲ ኸም ዝገለጸ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ሚክያስ 4:1-4 ከመይ ዝበለ ዘተባብዕ ቃላት ኰን እዩ ዝርከብ! ገለ ኽፋል ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸምዚ ይብል:- “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። . . . ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ: ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶም ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም: ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም። ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”
16, 17. ሚክያስ 4:1-4 ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኣ እትረክብ ዘላ ብኸመይ እያ፧
16 እቶም “ብዙሓት ህዝብታት” ከምኡውን “ብርቱዓት ህዝብታት” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ እቶም ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ህዝብታትን መንግስታትን ኣይኰኑን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ትንቢት ነቶም ካብ እተፈላለየ ህዝብታት እተዋጽኡ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ከረን የሆዋ ብሓድነት ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ውልቀ-ሰባት እዩ ዘመልክት።
17 ብመሰረት እዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ የሆዋ ዝቐርብ ጽሩይ ኣምልኾ ኣብ መላእ ምድሪ ኽሰፍን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት መገድታቱ ይመሃሩ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW) የሆዋ ነቶም ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቘሙ ኣመንቲ ኸኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ይፈርዶምን ይዳንዮምን ኣሎ። ክፍሊ እቶም “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ብምዃን ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኽድሕኑ እዮም። (ራእይ 7:9, 14) ኣብዚ ግዜና እውን እንተዀነ ኣስያፎም ንማሕረሻታት ስለ ዝሰርሕዎ ምስ ብጾቶም መሰኻኽር የሆዋን ምስ ካልኦትን ብሰላም እዮም ዝነብሩ። ካባታቶም ብምዃንካስ ባህዶ ኣይብለካን እዩ፧
ብስም የሆዋ ኽመላለሱ ዝቘረጹ
18. ‘ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንኻን ኦም በለስካን ምቕማጥ’ ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧
18 ኣብዚ ፍርሂ ንምድሪ ውሒጥዋ ዘሎ እዋን: ብዙሓት ሰባት መገድታት የሆዋ ይመሃሩ ብምህላዎም ኣዚና ኢና እንሕጐስ። ነቲ ዅሎም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ውግእ ዘይመሃሩሉ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኖምን ኦም በለሶምን ዝቕመጥሉ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝመጽእ ኵነታት ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። መብዛሕትኡ ግዜ ኦም በለስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እዩ ዝትከል ነይሩ። (ሉቃስ 13:6) ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንኻን ኦም በለስካን ምቕማጥ: ሰላምን ብልጽግናን ድሕንነትን እዩ ዘመልክት። ሕጂውን እንተዀነ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ናይ ኣእምሮ ሰላምን መንፈሳዊ ድሕንነትን ንኽንረክብ የኽእለና። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ መጸ: ፍርሂ ዝበሃል ካብ ልብና ኽጠፍእ: ምሉእ ድሕንነት እውን ክስምዓና እዩ።
19. ብስም የሆዋ ምምልላስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
19 ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ: ብስም የሆዋ ኽንመላለስ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ሚክያስ 4:5 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብዕቱብ ተገሊጹ ኣሎ:- “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።” ብስም የሆዋ ምምልላስ ክበሃል ከሎ: የሆዋ እዩ ኣምላኽና ምባል ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ምስታፍ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ ነዚ ጥራይ ዘጠቓልል እውን ኣይኰነን። ብስም የሆዋ ንመላለስ እንተ ሃሊና: ንዕኡ ህይወትና ዝወፈና ኢና: ብምሉእ ነፍስና ስለ እነፍቅሮ ድማ ብተኣማንነት ከነገልግሎ ንጽዕር። (ማቴዎስ 22:37) ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኸም ምዃንና መጠን ከኣ ንዘለኣለም ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንኽንመላለስ ቈሪጽና ኢና።
20. ኣብ ሚክያስ 4:6-13 እንታይ ትንቢት እዩ ዝርከብ፧
20 ቀጺልና ነቲ ኣብ ሚክያስ 4:6-13 ዝርከብ ትንቢታዊ ቓላት እስከ ንርአ። እታ “ጓል ጽዮን” “ክሳዕ ባቢሎን” ተማሪኻ ኽትከይድ ነበራ። ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ንተቐማጦ ኸተማ የሩሳሌም ከምዚ እዩ ኣጋጢምዎም። ይኹን እምበር: ኣብ ትንቢት ሚክያስ ገለ ተረፍ ናብ ይሁዳ ኸም ዝምለሱ: ጽዮን ክትምለስ ከላ ኸኣ የሆዋ ንጸላእታ ኸም ዝሰባብሮም ተገሊጹ ኣሎ።
21, 22. ሚክያስ 5:2 ፍጻሜኣ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧
21 ሚክያስ ምዕራፍ 5 ኻልእ ዘደንቕ ምዕባለታት እውን ትንበ እያ። ንኣብነት: ኣብ ሚክያስ 5:2-4 ተገሊጹ ዘሎ እሞ ኣስተብህለሉ። ኣምላኽ ዝሸሞ “ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ” ዝዀነ ገዛኢ: ካብ ቤት-ልሄም ክመጽእ ምዃኑ ሚክያስ ተነበየ። “ብሓይሊ እግዚኣብሄር” ከኣ ክጓሲ እዩ። ብዘይዚውን እዚ ገዛኢ እዚ ኣብ እስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ዓብዪ ክኸውን እዩ። መንነት እዚ ገዛኢ እዚ ንዓለም የደናግራ ይኸውን: ንዓና ግን ምስጢር ኣይኰነን።
22 ኣብ ቤት-ልሄም ካብ እተወልዱ ዘበሉ ኻብ ኵሎም ንላዕሊ ኣኽቢርካ ዝርአ መን እዩ፧ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ” ዝኸውንከ መን እዩ፧ እቲ መሲህ የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ! ሄሮድስ ዓብዪ ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን እቲ መሲህ ኣበይ ከም ዝውለድ ምስ ሓተቶም “ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ካብ ሚክያስ 5:2 ጠቒሶም እዮም መሊሶምሉ። (ማቴዎስ 2:3-6) ገለ ኻብቶም ተራ ህዝቢውን ነዚ ይፈልጡ ነይሮም እዮም: ከመይሲ ኣብ ዮሃንስ 7:42 “እቲ ጽሑፍዶ: ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት: ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ: ካብ ቤት-ልሄም: ከም ዚመጽእ: ኣይነግርን እዩ፧” ኢሎም ከም እተዛረቡ ተገሊጹ ኣሎ።
ንሰባት ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ምምጻእ
23. ሚክያስ 5:7 ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ፍጻሜኣ ትረክብ ኣላ፧
23 ሚክያስ 5:5-15 ኣሶራውያን ኣብ ዝገብርዎ ወራሮም ንሓጺር እዋን ዓወት ከም ዝረኽቡ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታት ሕነ ኽፈዲ ምዃኑ እያ እትገልጽ። ሚክያስ 5:7 እቶም እተነስሑ ተረፍ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም መብጽዓ ትኣቱ: ይኹን እምበር: እዘን ቃላት እዚኣተን ነዚ ግዜና እውን ዝምልከታ እየን። ሚክያስ ከምዚ በለ:- “እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት . . . ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር: ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።” እቶም ተረፍ ናይቶም መንፈሳውያን ያእቆብ ወይ እስራኤል: ኣምላኽ ንህዝብታት ዝህቦም በረኸት ክዀኑ ምዃኖም ንምግላጽ: ሚክያስ እዚ ባህ ዘብል ምሳሌ እዚ ተጠቕመ። እቶም ናይ የሱስ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝበሃሉ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም: ምስቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ተረፍ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ሓቢሮም ንሰባት ብመንፈስ ዕረፍቲ ኣብ ምምጻእ ከገልግሉ ምኽኣሎም የሐጕሶም እዩ። (ዮሃንስ 10:16፣ ገላትያ 6:16፣ ጸፎንያስ 3:9) ኣብዚ መዳይ እዚ ኽንሓስበሉ ዘሎና ኻልእ ጕዳይ ኣሎ። ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን: ነቲ ንሰባት ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ንኸነምጽኣሎም ዘሎና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና።
24. ኣብ ሚክያስ ምዕራፍ 3 ክሳዕ 5 ኻብ ዘሎ ነጥብታት ኣየናይ እዩ ተንኪፉካ፧
24 እምበኣር ካብ ትንቢት ሚክያስ ምዕራፍ 3 ክሳዕ 5 እንታይ ተማሂርካ፧ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ:- (1) ኣምላኽ ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቡ ሓላፍነት እተሰከሙ ሰባት ፍትሒ ኸውጽኡ ይጽበዮም እዩ። (2) ደይ መደይ ኢልና ሓጢኣት ንፍጽም እንተደኣ ዄንና: የሆዋ ንጸሎትና ምላሽ ኣይህበሉን እዩ። (3) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ሓይሊ እንተ ሂቡና ጥራይ ኢና ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ክንፍጽሞ እንኽእል። (4) ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ: ወትሩ ብስም የሆዋ ኽንመላለስ ኣሎና። (5) ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ነቲ ንሰባት ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ንኸነምጽኣሎም ዘሎና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ካልእ ነጥብታት እውን ተንኪፉካ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ትንቢታዊ መጽሓፍ እዚ እንታይ ካልእ ነገራት ኢና ኽንመሃር ንኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ካብተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ምዕራፋት ናይቲ እምነት ዘደልድል ትንቢት ሚክያስ ጠቓሚ ትምህርቲ ንኽንረክብ ክትሕግዘና እያ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ኣምላኽ ነቶም ኣብ ህዝቡ መሪሕነት ዝወስዱ እንታይ ክገብሩ እዩ ዝጽበዮም፧
• ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጸሎትን መንፈስ ቅዱስን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• ሰባት ‘ብስም የሆዋ ዝመላለሱ’ ብኸመይ እዮም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ምስ ድስቲ ዝተሓሓዝ ሚክያስ ዝሃቦ መብርሂ ኽትገልጾ ምኸኣልካዶ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ንሕናውን ከም ሚክያስ ኣገልግሎትና ብትብዓት ንፍጽም ኢና