1 ጢሞቴዎስ
2 ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡ 2 ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ።+ ንኣምላኽ ብዘሎና ምሉእ ተወፋይነትን ብምሉእ ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር።+ 3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ+ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣ 4 ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን+ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ። 5 ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣+ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡+ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣+ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+ 6 ኣብ ክንዲ ዅሉ* እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ፣+ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር። 7 ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡+—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡+ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ+ ኰይነ ተሸይመ እየ።
8 እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን+ ክትዕን+ እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡+ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቐጻሊ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ። 9 ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን* ብዜርኢ ግቡእ* ክዳውንቲ፡+ 10 ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡+ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ።
11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ* ትመሃር።+ 12 ሰበይቲ ብጸጥታ* ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ።+ 13 ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን።+ 14 ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላስ+ ኣቢሳ እያ። 15 ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና*+ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።*+