ዘሌዋውያን
2 “‘ሓደ ሰብ* ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ምስ ዜቕርብ፡+ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፣ ኣብኡ ኸኣ ዘይቲ የፍስሰሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ይግበረሉ።+ 2 ናብ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ የምጽኣዮ፣ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጭን ካብቲ ዘይትን ኵሉ እቲ ጻዕዳ ዕጣኑን ዕማዅ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ኪኸውን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ገይሩ የሕርሮ። 3 እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣+ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+
4 “‘ኣብ እቶን እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ ምስ እተቕርብ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታት ወይ ዘይቲ እተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።+
5 “‘መስዋእትኻ ኣብ መቕሎ ኻብ እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ዀይኑ፡+ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ይኹን። 6 ቈራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኣፍስሰሉ።+ ንሱ መስዋእቲ እኽሊ እዩ።
7 “‘መስዋእትኻ ኣብ ድስቲ እተገብረ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገበር። 8 ነቲ ኻብዚ እተገብረ መስዋእቲ እኽሊ ናብ የሆዋ ኣምጽኣዮ፣ ናብቲ ኻህን ድማ ይቕረብ፣ ንሱ ኸኣ ናብቲ መሰውኢ የቕርቦ። 9 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+ 10 እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+
11 “‘ካብ መባዅዕቲ ወይ ካብ መዓር ገለ እኳ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኸተሕርሩ ስለ ዘይግባእ፡ እቲ ንየሆዋ እተቕርብዎ መስዋእቲ እኽሊ ብኹዕ ኣይኹን።+
12 “‘መስዋእቲ በዅሪ ፍረ ኪኸውን ናብ የሆዋ ኣቕርብዎ፣+ ግናኸ፡ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ ኣይገበር።
13 “‘ንዅሉ እቲ እትስውኦ መስዋእቲ እኽሊ፡ ጨው ግበረሉ፣ ካብቲ መስዋእቲ እኽልኻ ኸኣ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፍ። ምስ ኵሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ።+
14 “‘ካብ በዅሪ ፍረኻ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ኣቕሪብካ፡ ካብ በዅሪ ፍረኻ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት፡ እተዃእኵአ ሓድሽ እኽሊ፡ መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ኣቕርብ።+ 15 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኽዓወሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ግበረሉ። ንሱ መስዋእቲ እኽሊ እዩ። 16 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ዅእኩእን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ጻዕዳ ዕጣኑ ወሲዱ፡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።