ብዛዕባ ሰሎሞን።
72 ኦ ኣምላኽ፡ ንንጉስ ፍርድታትካ ሃቦ፣
ንወዲ ንጉስ ከኣ ጽድቅኻ ዓድሎ።+
2 ንሱ ድማ ንህዝብኻ ብጽድቂ፡
ንትሑታትካ እውን ብፍትሒ ይማጐተሎም።+
3 ኣኽራን ንህዝብኻ ሰላም፡
ኵርባታት ከኣ ጽድቂ የምጽኡሉ።
4 ነቶም ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘለዉ ትሑታት ይጣበቐሎም፣
ንደቂ ድኻ ድማ የድሕኖም፣
ንዓማጺ ኸኣ ይጨፍልቆ።+
5 ጸሓይ ክሳዕ ዘላ፡
ወርሒ እውን ክሳዕ ዘላ፡
ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።+
6 ኣብ እተዓጽደ ሳዕሪ ኸም ዚዘንም ዝናም፡
ከምቲ ንምድሪ ዜስቲ ብርቱዕ ካፋ ኪኸውን እዩ።+
7 ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡+
ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ።+
8 ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡
ካብቲ ፈለግ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም።+
9 ተቐማጦ ምድረ በዳ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡
ጸላእቱ እውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።+
10 ነገስታት ተርሲስን ደሴታትን ኪግብሩሉ፡+
ነገስታት ሳባን ሴባን ድማ ህያባት ኪህብዎ እዮም።+
11 ኵሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡
ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ኬገልግልዎ እዮም።
12 ንሱስ ንዜእዊ ድኻን
ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ።
13 ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡
ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ።
14 ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም፡
ደሞም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።
15 ብህይወት ይንበር፡ ወርቂ ሳባ እውን ይወሃቦ።+
ወትሩ ድማ ምእንታኡ ይጸለ፣
ምሉእ መዓልቲ እውን ይባረኽ።
16 ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡+
ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።
ፍሪኡ ኸም ኣብ ሊባኖስ ኪስስን እዩ፣+
ኣብ ከተማታት፡ ሰባት ከም ኣትክልቲ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።+
17 ስሙ ንዘለኣለም ይንበር፣+
ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ድማ ይግነን።
ሰባት ብእኡ በረኸት ይርከቡ፣+
ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ሕጉስ ይበልዎ።
18 እቲ በይኑ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር+
የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ይወደስ።+
19 እቲ ኽቡር ስሙ ንዘለኣለም ይወደስ፣+
ክብሩ እውን ንብዘላ ምድሪ ይምልኣያ።+
ኣሜን፡ ኣሜን።
20 ጸሎት ዳዊት ወዲ እሴይ+ ኣብዚ ይውዳእ።