ጸሎት ዳዊት።
86 ኦ የሆዋ፡ ውጹዕን ድኻን እየ እሞ፡
እዝንኻ ኣድንን፡ መልሰለይ እውን።+
2 እሙን እየ እሞ፡ ንህይወተይ ሓልዋ።+
ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡
ነቲ ብኣኻ ዚእመን ጊልያኻ ኣድሕኖ።+
3 ምሉእ መዓልቲ እጽውዓካ እየ እሞ፡+
ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።+
4 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እየ ዘብል እሞ፡
ንጊልያኻ ኣሐጕሶ።
5 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን+ ንይቕረታ ድልውን ኢኻ፣+
ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ።+
6 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣
ናብ ልማኖይ ኣቕልብ።+
7 ንስኻ ኽትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡+
ብመዓልቲ ጭንቀይ ክጽውዓካ እየ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ካብ ኣማልኽቲ ኸማኻ ዝበለ የልቦን፣+
ከም ግብርታትካ ዝበለ እውን የልቦን።+
9 ኦ የሆዋ፡ ኵሎም እቶም ዝገበርካዮም ኣህዛብ ኪመጹ፡
ኣብ ቅድሜኻ ድማ ኪሰግዱ፡+
ንስምካ እውን ኬኽብርዎ እዮም።+
10 ንስኻስ ዓብይን ዜደንቕ ነገራት እትገብርን ኢኻ፣+
ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ኢኻ።+
11 ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ።+
ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ።+
ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ።+
12 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ብዅሉ ልበይ እውድሰካ ኣለኹ፣+
ንዘለኣለም ከኣ ንስምካ ከኽብሮ እየ።
13 እቲ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻስ ዓብዪ እዩ፣
ንህይወተይ ድማ ካብ መዓሙቝ መቓብር ኣድሒንካያ ኢኻ።+
14 ኦ ኣምላኽ፡ ተዳፈርቲ ተንሲኦምኒ፣+
ጭፍራ ጨካናት ድማ ንህይወተይ ይደልይዋ ኣለዉ፣
ግድኻ እውን የብሎምን።+
15 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡
ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኢኻ።+
16 ናባይ ኣብል እሞ ሞገስካ ኣርእየኒ።+
ንጊልያኻ ብርታዐኻ ሃቦ፣+
ንወዲ ግዝእትኻ ድማ ኣድሕኖ።
17 ኦ የሆዋ፡ ረዳእየይን መጸናንዕየይን ኢኻ እሞ፡
እቶም ዚጸልኡኒ ርእዮም ኪሓፍሩስ፡
ምልክት ሕያውነትካ ኣርእየኒ።