ሆሴእ
8 “መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር!+
2 ንሳቶም፡ ‘ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና!’ ኢሎም ናባይ የእውዩ ኣለዉ።+
3 እስራኤል ንጽቡቕ ደርብይዎ ኣሎ።+
ጸላኢ ይስጐጎ።
4 ነገስታት ኣንጊሶም ኣለዉ፣ ብኣይ ግና ኣይኰነን።
መሳፍንቲ ሸይሞም ኣለዉ፣ ኣነ ግና ኣይፈልጦምን እየ።
5 ኣታ ሰማርያ፡ ምራኽካ ተደርብዩ እዩ።+
ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነዲዱ እዩ።+
ክሳዕ መዓስ እዮም ንጹሃት ኪዀኑ ዘይክእሉ፧
6 እዝስ ካብ እስራኤል እዩ።
ኢደ ጥበበኛ እዩ ገይርዎ፣ ኣምላኽ ከኣ ኣይኰነን።
ምራኽ ሰማርያ ፍንጭልጫል ኪኸውን እዩ።
እንተ ኣፍርዩ እውን፡ ጓኖት ኪውሕጥዎ እዮም።+
ሕጂ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡+
ከም ዘይድለ ኣቕሓ ኪዀኑ እዮም።
9 በይኑ ኸም እተፈልየ ኣድጊ በረኻስ፡ ናብ ኣሶር ደዪቦም ኣለዉ።+
ኤፍሬም ኣፍቀርቲ ቘጺሩ ኣሎ።+
11 ኤፍሬምሲ ንምሕጣእ መሰውኢታት ኣብዚሑ ኣሎ።+
ንምሕጣእ ዚኸውን መሰውኢታት ኣለዎ።+
13 ንመባአይ መስዋእቲ የቕርቡ፣ ነቲ ስጋ ኸኣ ይበልዕዎ፣
የሆዋ ግና ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+
ሕጂ ስሕተቶም ኪዝክር፡ ብሰሪ ሓጢኣቶም ድማ ኪቐጽዖም እዩ።+
ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣
ንሱ እውን ንግምብታቱ ኺበልዖ እዩ።”+