ሆሴእ
10 “እስራኤል ፍሪኡ ዚፈሪ ብልሹው* ተኽሊ ወይኒ እዩ።+
ንመሰውኢታቶም ዚሰባብሮ፡ ንሓወልትታቶም ከኣ ዜጥፍኦ ኣሎ።
3 ሕጂ፡ ‘ንየሆዋ ኣይፈራህናዮን እሞ፡ ንጉስ የብልናን።+
ንጉስከ እንታይ ኪገብረና ይኽእል፧’ ኪብሉ እዮም።
5 ነበርቲ ሰማርያ ንጣኦት ምራኽ ቤት-ኣዌን ኪፈርህዎ እዮም።+
ካባታቶም ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ እሞ፡
ህዝቡ ብእኡ ኺሓዝኑ እዮም፣
ብእኡን ብኽብሩን እተሓጐሱ ኻህናት ጓኖት ኣማልኽቱ እውን ከምኡ።
6 ንዓብዪ ንጉስ ህያብ ኪኸውን ናብ ኣሶር ኪውሰድ እዩ።+
ኤፍሬም ኪሓፍር እዩ፣
እስራኤል ከኣ በቲ ዝሰዓቦ ምኽሩ ኺሓንኽ እዩ።+
8 በረኽቲ ቤት-ኣዌን፡+ ሓጢኣት እስራኤል፡+ ኪጠፍእ እዩ።+
እሾዅን ተዀርባን ኣብ መሰውኢታቶም ኪበቍል እዩ።+
ንኣኽራን፡ ‘ክደኑና!’+
ንዅርባታት እውን፡ ‘ኣብ ልዕሌና ውደቑ!’ ኺብልዎም እዮም።
9 ኣታ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ኣትሒዝካ ሓጢእካ ኢኻ።+
ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ጸኒዖም።
ነቶም ደቂ ዓመጻ ኣብ ጊብዓ ውግእ ኣየርከቦምን።*
10 ባህ ምስ በለኒ፡ ኣነ እውን ክግስጾም እየ።
ክልተ ስሕተቶም ምስ ተጻዕኖም ከኣ፡*
ህዝብታት ኣንጻሮም ኪእከቡ እዮም።
11 ኤፍሬም መኼዳ እትፈቱ ዝለመደት ኣርሒ እዩ፣
ስለዚ፡ ነቲ ጽቡቕ ክሳዳ ንሒፈዮ።
ይሁዳ ኺሓርስ፡ ያእቆብ እውን ድንኵል ኪሰብር እዩ።
12 ንዓኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ድማ ዕጸዱ።
14 ከምቲ ሰልመን ንቤት ኣርብኤል ኬጥፍኣ ኸሎ፡
በታ መዓልቲ ውግእ ኣዴታት ምስ ደቀን እተሓምሸሻ፡
ኣንጻር ህዝብኻ ያዕያዕታ ኺልዓል፡
እተን እተዓርዳ ኸተማታትካ ኸኣ ኪጠፍኣ እየን።+
15 ኣቱም ቤት-ኤል፡ ብሰሪ ሕሰም እከይኩም ከምኡ ኽትግበሩ ኢኹም።+