ኢሳይያስ
43 ሕጂ ድማ፡ ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠረካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ+
የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+
ኣነ ብስምካ ጸዊዐካ እየ።
ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣
ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ።
3 ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ፡
ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ።
ንግብጺ በጃኻ፡
ንኢትዮጵያን ንሴባን ከኣ ኣብ ክንዳኻ ሂበ።
ስለዚ፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡
ኣብ ክንዲ ህይወትካ* ኸኣ ኣህዛብ ክህብ እየ።
5 ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+
ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦ፡
ካብ ምዕራብ ድማ ክኣኻኽበካ እየ።+
6 ንሰሜን፡ ‘ሕደጎም!’ ክብሎ፡+
ንደቡብ ከኣ፡ ‘ኣይትሓዞም።
ንኣወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ንኣዋልደይ ድማ ካብ ወሰናት ምድሪ ኣምጽኣዮም፣+
7 ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉ፡+
ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን
ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽእ’ ክብሎ እየ።+
8 ነቶም ኣዒንቲ ኸለዎምሲ ዕዉራት፡
ኣእዛን ከለዎም ከኣ ጸማማት ዝዀኑ ህዝቢ ኣውጽኣዮም።+
9 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ሓደ ይተኣከቡ፣
ህዝብታት ድማ ብሓባር ይተኣከቡ።+
ካባታቶምሲ እዚ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧
ቅኑዓት ምዃኖም ኬርእዩስ መሰኻኽሮም የቕርቡ!
ወይስ ሰሚዖም፡ ‘እዚ ሓቂ እዩ!’ ይበሉ።”+
10 “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም”+ ይብል የሆዋ፡
“እወ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡን ብኣይ ምእንቲ ኽትኣምኑን*
ኣነ ወትሩ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትርድኡንሲ፡+
ዝሓረኽዎ ጊልያይ ኢኹም።+
ቅድመይ ኣምላኽ ኣይተደኰነን፣
ድሕረይ እውን ኣይኰነን።+
11 ኣነ፡ ኣነ የሆዋ እየ፡+ ብዘይካይ መድሓኒ የልቦን።”+
ስለዚ፡ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ ኸኣ ኣምላኽ እየ።+
ምስ ገበርኩስ፡ መን ኪኽልክል ይኽእል፧”+
14 የሆዋ እቲ ተበጃዊኹም፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+
15 ኣነ የሆዋ እቲ ቕዱስኩም፡+ ፈጣር እስራኤል፡+ እቲ ንጉስኩም+ እየ።”
16 እቲ ኣብ ባሕሪ ጐደና፡
ኣብ መንጎ ዚናወጽ ማያት ከኣ መገዲ ዚገብር+
የሆዋ ኸምዚ ይብል፣
17 እቲ ንሰረገላን ንፈረስን
ንሰራዊት ምስ ሓያላት ጀጋኑ ዜውጽእ፡ ከምዚ ይብል፦+
“በጥ ኪብሉ፡ ኣይኪትንስኡን ድማ እዮም።+
ኪጠፍኡ፡ ከም ዚነድድ ፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ኪቕህሙ እዮም።”
18 “ነቲ ዝቐደመ ኣይትዘክሩ፡
ነቲ ዝሓለፈ ድማ ኣይትሕሰቡ።
19 እንሆ፡ ሓድሽ ነገር እገብር ኣለኹ፣+
ሕጂ እኳ ይቕልቀል ኣሎ።
ኣይተለልይዎን ዲኹም፧
23 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኪኸውን በጊዕ ኣየምጻእካለይን፡
ብመስዋእቲ ኸኣ ኣየኽበርካንን።
መባእ ከተምጽእ ኣየገደድኩኻን፣
ጻዕዳ ዕጣን ደልየ ድማ ኣየድከምኩኻን።+
ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓጢኣትካ ጾር ኣኽቢድካለይ፣
ብስሕተትካ ኸኣ ኣድኪምካኒ።+
26 ኣዘክረኒ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ፣
ቅኑዕ ምዃንካ ኸተርእስ ብወገንካ እትብሎ ተዛረብ።