እዮብ
19 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
4 ብርግጽ ተጋግየ እንተ ዀይነ፡
ጌጋይ ምሳይ እዩ ዚነብር።
5 ጸርፊ ኸም ዚግብኣኒ ጌርኩም
ብሓቂ እንተ ተዓቢኹምለይ ድማ፡
6 እምበኣር፡ ኣምላኽ ከም ዘስሓተኒ ፍለጡ፡
ብመርበብ ሃድን ከኣ ሒዙኒ።
8 መገደይ ብመንደቕ ዓጊትዎ፡ ክሓልፍ ድማ ኣይከኣልኩን፣
ንመገድታተይ ብጸልማት ሸፊንዎ።+
9 ክብረይ ቀንጢጡኒ፡
ንዘውደይ እውን ካብ ርእሰይ ኣልጊስዎ።
10 ክሳዕ ዝጠፍእ ብዅሉ ሸነኽ ይሰባብረኒ፣
ንተስፋይ ከኣ ከም ኦም ይምሕዎ።
11 ቍጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ይነድድ፣
ከም ጸላኢ ድማ ይርእየኒ።+
12 ተዋጋእቱ ብሓደ መጺኦም ይኸብቡኒ፣
ኣብ ዙርያ ድንኳነይ እውን ይሰፍሩ።
13 ንኣሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፣
እቶም ዚፈልጡኒ ኸኣ ካባይ ኣልጊሶም።+
15 ኣጋይሽ ቤተይን+ ኣንስትዮ ባሮተይን ከም ጋሻ ይቘጽሩኒ፣
ኣብ ኣዒንቶም እውን ጓና እየ።
16 ንጊልያይ እጽውዖ፡ ግናኸ ኣይምልሰለይን፣
ኪርሕርሓለይ ከኣ ብኣፈይ እልምኖ።
18 ቈልዑ እኳ ይንዕቁኒ፣
ምስ ተንሳእኩ እውን የላግጹለይ።
21 ኢድ ኣምላኽ ተንክያትኒ እያ እሞ፡+
ኣቱም ብጾተይ፡ ምሓሩኒ፡ ምሓሩኒ።
23 ኣየ፡ ቃላተይ እንተ ዚጽሓፍ፡
ኣብ መጽሓፍ ከኣ እንተ ዚውረቕ!
24 ብብርዒ ሓጺንን ብዓረርን
ኣብ ከውሒ ንዘለኣለም እንተ ዚቕረጽ!
26 ቈርበተይ በዚ ኸምዚ ምስ ጠፍአ፡
ገና ብስጋይ ከለኹ ንኣምላኸይ ክርእዮ እየ፣
27 ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡
ኣዒንቲ ኻልእ ዘይኰናስ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ እየን።+
ብውሽጠይ ግና ከም እተሰነፍኩ ይስምዓኒ ኣሎ!*
28 ሱር እቲ ጸገም ምሳይ ካብ ሃለወስ፡
ንስኻትኩም፡ ‘ብምንታይ ንሰጕጐካ ኣለና፧’ ትብሉ።+