መዝሙር
ንኣላዪ። ብመዝሙር “ኣይተጥፍእ።” ናይ ኣሳፍ።+ ማህሌት።
2 “ግዜ ምስ መደብኩ፡
ብቕንዕና ኽፈርድ እየ።
3 ምድርን ኵሎም ነበርታን ምስ መኸኹ፡
ኣነ እየ ኣዕኑዳ ዘጽናዕኩ” ትብል። (ሴላ)
4 ንምኩሓት፡ “ኣይትመክሑ” እብሎም፣
ንእኩያት ድማ ከምዚ እብሎም፦ “ብርታዐኹም* ልዕል ኣይተብሉ።
6 ልዕልናስ ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ
ወይ ካብ ደቡብ ኣይኰነን ዚመጽእ።
7 ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ።+
ንሓደ ሰብ የዋርድ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ልዕል የብል።+
8 ኣብ ኢድ የሆዋስ ጽዋእ ኣሎ፣+
እቲ ወይኒ ይዓፍር ኣሎ፡ ምሉእ ብምሉእ እውን ተሓዋዊሱ እዩ።
ብርግጽ ድማ ኬፍስሶ እዩ፣
ኵሎም እኩያት ምድሪ ኸኣ ክሳዕ ሓተላኡ ኺሰትይዎ እዮም።”+
9 ኣነ ግና ንዘለኣለም ክነግር፡
ንኣምላኽ ያእቆብ እውን ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።