9 ናይ ሓቂ ጥበብ ቤታ ሃኒጻ ኣላ፣
ሸውዓተ ኣዕኑዳ ጸሪባ ኣላ።
2 ሕሩዳ ሓሪዳ፡
ወይና ሓዋዊሳ፡
መኣዳ እውን ኣሰናድያ ኣላ።
3 ኣብ ልዕሊ ኸተማ ኻብ ዘሎ በረኽቲ ኽትጽውዕ+
ኣግራዳ ልኢኻ ኣላ፣
4 “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ” ትብል።
ልቢ ንዘይብሉ ዘበለ ኸኣ ከምዚ ትብሎ፦
5 “ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ፡
ዝሓዋወስክዎ ወይኒ እውን ስተዩ።
6 ዘይልብምና ሕደጉ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣+
ብመገዲ ኣእምሮ ንቕድሚት ኪዱ።”+
7 ንመላገጺ ዚእርምሲ ውርደት ይዕድም፣+
ንእኩይ ዚገንሕ ከኣ ይጕዳእ።
8 ንመላገጺ ኣይትግንሓዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ኪጸልኣካ እዩ።+
ንጥበበኛ ግንሓዮ፡ ንሱ ድማ ኬፍቅረካ እዩ።+
9 ንጥበበኛ ኣካፍሎ፡ ብዝያዳ ኺጠብብ እዩ።+
ንጻድቕ ምሃሮ፡ ንምህሮኡ ኺውስኸሉ እዩ።
10 ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ፣+
ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ+ ከኣ ኣእምሮ እዩ።
11 ብኣይሲ መዓልትታትካ ኺበዝሓ እየን፣+
ኣብ ህይወትካ ድማ ዓመታት ኪውሰኸልካ እዩ።
12 ጥበበኛ እንተ ዄንካ፡ ንጥቕምኻ ኢኻ እትጠብብ፣
መላገጺ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ በይንኻ ኢኻ እትጾሮ።
13 ዓሻ ሰበይቲ ዋዕዋዕተኛን+
ደንቈሮን ሓንቲ እኳ ዘይትፈልጥን እያ።
14 ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ፡
ኣብ በረኽቲ እታ ኸተማ ኣብ መንበር ኮፍ ትብል፣+
15 ንሓለፍቲ መገዲ፡
ነቶም ብመገዶም ትኽ ኢሎም ዚኸዱ ትጽውዖም፣
16 “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ” ትብሎም።
ልቢ ንዘይብሎም ከኣ ከምዚ ትብሎም፦+
17 “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፣
ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ድማ ባህ ዜብል እዩ።”+
18 ንሱ ግና እቶም ብሞት እተሰነፉ ኣብኡ ኸም ዘለዉ፡
ኣጋይሻ እውን ኣብ መዓሙቝ መቓብር ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።+